እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ "ሓበሬታ ብዝኾነ መላኺ ክዕፈን ዘይግበኦ ስንቅን ዕጥቅን እዩ"
ሓበሬታ ከም ዕጥቂ ሓይሊ እዩ፤ ከም ስንቂ መግቢ እዩ፤ ከም ጸሓይ ኣብ መዓልቲ፡ ከም ወርሒ ኣብ ለይቲ ብርሃን እዩ። ሓበሬታ ሰራውር ደም እዩ። ሓበሬታ ትንፋስ እዩ። ሓበሬታ ንዓወትን ውድቀትን፡ ንሞትን ሕየትን ዝውስን ሓይሊ ምዃኑ ብዝተፈላለየ ሊቃውንትን ሞያውያንን ዝተጻሕፉ ሰነዳት ይዛረቡ።
ንሓደ ሓበሬታ ዘለዎን ዘይብሉን ህዝቢ ብኣብነት ኣወዳድር እንተትበሃል እንታይ ምበልካ ተባሂሉ ዝተሓተተ መንእሰይ ሰመረ፡ "ኣብ ብርሃንን ጸላምን ከም ዝነብር ህዝቢ ገይረ ምገለጽኩዎ" ክብል መሊሱ። ንህላዌ ሓበሬታ ከም ብርሃን ንስእነት ሓበሬታ ከኣ ከም ጻላም ብምግላጽ።
ጥቕምን ኣገዳስነትን ሓበሬታ ካብ ጥንቲ እዩ ዝጅምር። ስለዝኾነ ከኣ'ዩ ሕብረተሰብ፡ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ከሎ ኣብ ጉዕዞ ከጋጥሞ ንዝኽእል ነገር ንምፍላጥን ቅድመ ምድላዋት ንምክያድን፡" ሚ-ሬኤካ! ዓዲ ደሓን'ዶ ዝመጻእካዮ መገዲ እንታይ ይመስል ዝበሃሃል።
" ሚ-ሬኤካ?" ኣብ ሕብረተሰብ ሰበኽ ሳግም ትግረ እትዝከር ዘረባ እያ።
እዛ ካብ ጥንቲ ብኩናትን ውግእን ቅርጽን መልክዕን እናሓዘት ዝመጽአት ዓለምና፡ ንዓወትን ስዕረትን ሓደ ውግእ ዝጸሉ ከም ምጽናዕ ስነ-አእምሮ ሰራዊት መቐናቕንቲ፡ ዕጥቅን ኣሰላልፋን፡ ሓይልን ድኹም ጎድኑን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ንምጽናዕ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ወተሃደራዊ ትካላት ሃገራት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣብ ምምሃዝን ምምዕባልን ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱ ንኣገዳስነት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝድህስሱ መጻሕፍቲ የረድኡ።
ሓበሬታ ግን ኣብ ኩናትን ውግእን ጥራሕ ኣይኮነን ዘድሊ። ኣብ ንግድን ኢንዱስትርን፤ ኣብ ሕርሻን ምምዝማዝ ሃብቲ ባሕርን፤ ኣብ ትሕቲ ባሕርን ምድርን ዝርከብ ማዕድናት፤ ኣብ ጥዕናን ምርምርን ብሓጺሩ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኣገዳሲ እዩ።
እዚ ንዓለምና ኣጨናኒቑዋ ዘሎ ኮቪድ-19 እውን ብሓበሬታ እዩ ዝግጠም ዘሎ። እቲ ሓደገኛ ቫይረስ ብኸመይ ኣገባብ ይመሓላለፍ፡ ብኸመይ'ከ ክንከላኸሎ ይከኣል ዝብል ሓበሬታ፡ ዛጊት እቱ ዝዓበየ መከላኸሊ ኮይኑ ኣሎ።
ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣገዳስነት ሓበሬታ ንምዕዛዝ ን28 መስከረም ከም ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምምሕልላፍ ሓበሬታ ክትክበር ወሲኑ።
ኣብዚ ፈታኒ ናይ ኮቪድ እዋን እውን እንተኾነ፡ እቲ ኩነታት ብዘፍቅዶ መገዲ ትበዓል ዘላ።
ኣብዛ ዕለት ኣባል መንግስታትን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሲቪላዊ ትካላት ማሕበረሰባትን፡ ሕብረተሰብ ንህይወቱን መጻኢኡን ዘገድሶ ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ክረክብ መሰል ስለዘለዎ ዝምልከቶም ኣካላት ግቡኦም ክገብሩ መዘኻኸሪ ይቐርብ።
ሓበሬታ ከም ዕጥቅን ስንቅን!
"ሓበሬታ ማለት፡ ንማንም ሰብ፡ ብውልቂ ኮነ ብእኩብ፡ ከም ጉጅለን ህዝብን ህይወቱ ከውሕስ፡ ረብሕኡ ክዕቅብ፡ ሓይሊ ክድልብ፤ ጸገማቱ ከወግድ ዝሕግዝ ዕጥቅን ስንቅን'ዩ ተባሂሉ ክትርጎም ይኽእል'ዩ" ይብል ኤፍረም ማንም ወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለም ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ ክኽበር ከምዝግበኦ ብምዝኽኻር።
ይኹን እምበር ኣብዚ ዓለምና ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ናብ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ እዋን ንህዝቦም ሓበሬታ ዝነፍጉን ዝግድቡን ሓደ ሓደ ስርዓታት ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ወቐሳ የጋጥሞም እዩ።
ፖለቲካዊ ወጥሪ፣ ዘይምርግጋእ፣ ስግኣት ጎንጽን ግጭትን ኣብ ዘለዎ ሃገር ሓበሬታ ካብን ናብን ብግቡእ ክመሓላለፍ ኣይከእልን እዩ።
ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ዝኽሰት ሓደ ሓደ ስርዓታት ሳልሳይ ዓለም ተቐዳዲሞም ኣገልግሎት ኢንተርነት እዮም ዝዓጽውዎ። ገሊኦም እሞ ከኣ ካብ ፈለምኡ እውን ፈጺሞም ዘይፈቕድዎ፡ ወይ ከኣ ኣሎና ንምባል ሓይሊ እቲ ዝርገሐ ቀኒሶም ጨቐቕ ብዝብል መርበብ ድምጺ ህዝቢ ዝዕፍኑ ኣለው።
እቲ ከምኡ ዓይነት ተግባር ነቶም ሰብኣዊ ረድኤትን መደባት ምዕባለን ዘሰላስሉ ከም ዩኤንዲፒን ዩኒሴፍን ዝኣመሰሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ስርሖም ብግቡእ ንኸየከናውኑ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ሰነዳቶም የረጋግጹ።
እንተኾነ ሓበሬታ ዕጥቅን ስንቅን ስለዝኾነ ዕጥቅን ስንቅን ዘለዎ ሕብረተሰብ ከኣ ብምልኪ ንዘመሓድሩዎ ስርዓታት ምሕዩ፡ ብድምጹ ዝሳተፎ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ስለዝብገስ መንግስታት ይፈርሑ እዮም።
እኹል ስርዓተ መመሓላለፍን ቅኑዕ ሓበሬታን ዘለዎ ህዝቢ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል እቲ ብ2011 ዝተኻየደ ሰውራ ቐውዒ ማእከላይ ምብራቕ ኣረጋጊጹ እዩ።
ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ከኣ ገሊኦም ስርዓታት ንፖለቲካዊ ረብሕኦም ክብሉ ንኹሉ ናይ ሓበሬታ መሳርሕን መትረብን ዓፊኖም ንህዝቢ እተን ንሳቶም ክብልዎ ዝደልዩ ናይ ፕሮፖጋንዳ መልእኽቲ ብምሃብ ጥራሕ የጽምእዎ።
ብምልኪ ዘመሓድሩ ብዙሓት ስርዓታት "ጠለብ ደሞክራሲ ኩሉ ሳዕ መወዳእታ ስለዘይብሉ፡ ንህዝቢ ከየጥመኻን ከየጽገብካን፡ ወትሩ ብዕለታዊ ጉዳዩን መነባብሮኡን ከምዝሓስብ ጌርካ ሓዞ" ብዝብል ኣተሓሳስባ እዮም ዝገዝኡ ይብል ዳዊት።
ምኽንያቱ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ብምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝዛረቡን ዝዝትዩን፡ "ዘይትን ላምባን ኣበይ ይርከብ ኣሎ? ጋዝን ነዳድን መጺኡ'ዶ? እኽልን ሽኮርን ከቢሩ'ዶ ሓሲሩ? መብራህትን ማይን መጽአ ከደ" ክብሉ፡ ንኽነብሩ፡ ደቆም ንኸድርሩ ኣብ ዕለታዊ ነገራት ከምዝሕጸሩ የረድእ።
እቲ ዘሕዝን ግን እተን ዝማዕበላ ሃገራት ንዋሕዚ ሓበሬታ ብዘለዓለ ኣገባብ ክጥቀማሉ እንከለዋ እተን ድሕሪት ተሪፈን ዘለዋ "ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት" እናተባህላ ካብ ዝግለጻ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ንዜጋታተን ዋሕዚ ሓበሬታ ዓጊተን ዓፊነን ክሕዘኦ እንከለዋ እየን ይብል ኤፍረም።
ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝመሳሰልን ዝንእስን ጸገማት ከምዘሎ፡ ስርዓታት ብጉልባብ "ሃገራዊ ድሕነት" ሓበሬታ ይዕፍኑን ጹኑዕ ሳንሱር ይገብሩን ከምዘለው ድማ የረድእ።
ሓበሬታ ንሓደ ዕጹው ገዛ መፍትሕ ጌርካ ከም ምኽፋት ብምምሳል ዝገልጾ ሰመረ፡ "ንዝኾነ ናይ ህይወት ጉዕዞ ብሓበሬታ ኢኻ ትኸዶ። ከምቲ ካፕተይን መርከብ ብዘይ ኮምፓስ ክመርሕ ዘይክእል ፓይለት እውን ብዘይ ፕሮትራክተር ኣብ መዓልቦኡ ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓበሬታ ብሰራውር ደም እውን ክምሰል ዝኽእል" ክብል ይዛረብ።
ሓበሬታ ምርካብ ጥራሕ እውን እኹል ኣይኮነን። ሓበሬታ ምስኣን ምስ ዑረትን ጸልማትን ስለዝዛመድ ዘዛርብ ኣይኮነን። ግን ሓበሬታ በቲ እትደልዮ ፍጥነት እንተዘይረኺብካዮ እውን ዘይከገልግል ይኽእል እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ዘበነ ኮቪድ-19 ነብሲ ወከፍ ለበዳ ንምግታእ ዝሕግዝ ሓበሬታ ኣብ ሰዓቱ እንተዘይበጺሑ ህይወት ስለዘዕዲ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ብዘይ ሓበሬታ ኣብ ጸላም ደርበስበስ ከም ዝብል ዓይነ-ስውር ስለእትኸውን፡ ኣብ ቅድሜኻ እንታይ ኣሎ ንክትፈልጥን ናበይ ከም እትጓዓዝ ክትውስንን ብርሃን ኣገዳሲ እዩ። ብርሃን ከኣ ሓበሬታ እዩ።
ስለዝኾነ ከኣ እያ እዛ መዓልቲ ምርካብ ሓበሬታ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ክወሃባ ተገይሩ።
እዛ ለብዘበን እትበዓል ዘላ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ከኣ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ግዜ ጸገም እኹልን ቅልጡፍን ሓበሬታ ክረክብ መሰል ኣለዎ ንዝብል ቴማ እያ ተጉልሕ።
እኹል ሓበሬታ ምህላው ኣብ ሕብረተሰብን ስርዓታትን ዝምድናን ምትእምማንን ይሃንጽ። ብፍላይ ኣብዚ ተኣፋፊ ናይ ኮቪድ-19 እዋን ከኣ ሓበሬታ ነቲ ለበዳ ንምስዓር ዘገድስ ወሳኒ ዕጥቂ እዩ።
እዚ ዕለት፡ ኩሎም መሻርኽቲ ንመሰል ምርካብ ሓበሬታ ኣብ ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ምምይያጣት ክሳተፉ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ንፖሊሲታት ዝምልከት ርእይቶን ሓበሬታን ምኽርን ክልግሱ ዕድል ይኸፍት።
እቲ ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ፕሮግራም ኣብ ስነ-ፍልጠትን፡ ብዙሕነት ቋንቋን፡ ንስንኩላን ምሕቋፍ፡ ኣግልሎ ምውጋድ ዝኣመሰለ ብሚድያ ብኣኼባታትን ዝወሃብ ትምህርታዊ ሓበሬታ ብምሕያል እቲ መደባት ንክምዕብል እወታዊ ኣበርክቶ ክፈጥሩ ዕደል ይህብ።