እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን: ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ዝቐረበሎም ክስታትን
ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንግስታት ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን የካይድዎ ኣብ ዘለዎ 'ሕጊ ናይ ምኽባር' ዝበልዎ ወፍሪ፡ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎም ኣለዉ።
ካብ መንጎኦም፡ ብሞያ ጋዜጠኝነቶም ዝፍለጡ፡ ሰለሞን ሹምዬ፣ ተመስገን ደሳለኝ፣ ያየሰው ሽመልስ፣ መዓዛ መሐመድን በቃሉ አላምረውን ናዕቢ ምልዓል ዝብል ክሲ ተመስሪቱዎም ይርከብ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኣመሪካን ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም ንዘለዎም ሻቕሎት ዝገልጽ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለዉ።
ያየሰው ሽመልስ፡
መስራቲ ዩቲዩብ ሚዲያ ኢትዮ-ፎረም ዝኾነ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ 18 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ኢትዮፎረም፡ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት ካብቶም ሰፊሕ ሽፋን ዝህቡ ሒደት ሚድያት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።
ያየሰው ህውከትን ናዕብን ብምልዓል፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌዴራል ንክዕምጽ ብምልዕዓልን ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫውን ዝብል ክሲታት ተመስሪትዎ ኣሎ።
ፖሊስ፡ ነቲ ዝተባህለ ተግባር ንምፍጻም ድማ 'ገንዘብ ተኸፊልዎ እዩ' ዝብል ክሲ መስሪትሉ ይርከብ።
ቤት ፍርዲ 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ንፖሊስ 10 ናይ ምርመራ መዓልታት ፈቒዱ ኣሎ።
ኣብዚ መጋባእያ፡ ብሚዲያን ቁጠባን ውግእ ከምዝኸፍተን ነዚ ዝመርሕ ሕቡእ ጉጅለ ከምዘሎን ፖሊስ ተዛሪቡ።
ጋዜጠኛ ያየሰው ቅድሚ ሕዚ'ውን ክልተ ግዜ ተኣሲሩ ዝነበረ ዀይኑ፡ ብገበን ራዕዲ ተተርጢሩ ነይሩ እዩ።
መጋቢት 2012 ዓ.ም ተኣሲሩ ዝነበረ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ሳምንታዊ መደብ ኣሰናዳኢ ዝነበረ ዀይኑ ኣብ መጽሔት ፍትህ ድማ ስሩዕ ዓምዲ ነይሩዎ።
ኣብቲ እዋን፡ ኮቪድ-19 ዝምልከት ሓሰት ኣቃሊሕካ ብዝብል ገበን ተኸሲሱ ዝነበረ ኸይኑ፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ምስተኣስረ ተፈቲሑ ነይሩ።
ንካልኣይ ግዜ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ተኣሲሩ፡ "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምዕላው" ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ተንቀሳቒሱ ዝብል ገበን እዩ ተጠርጢሩ ነይሩ።
ያሰው ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ኣዋሽ-ሰባት ኪሎ ዝርከብ መሰልጠኒ ፖሊስ ን49 መዓልታት ምስተኣስረ፡ ብዋሕስ ተለቒቑ ነይሩ።
ሰለሞን ሹምዬ
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትሪሩ ብምቅዋም ዝፍለጥ ሰለሞን ሹምዬ፡ ወናኒን መስራትን 'ገበያኑ ሚዲያ' ኮይኑ፡ ብ12 ግንቦት 2014 ዓ.ም እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ሰለሞን ብተመሳሰሊ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ዝብል ገበን ክሲ ዝተመስረቶ ኮይኑ፡ 22 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ፖሊስ ተወሳኺ መርመራ ከካይድ ሸውዓተ ተወሳኺ መዓልታት ተፈቒዱሉ ኣሎ።
ሰለሞን፡ 'ሰላም ዝሳኣንና ብምንታይ ምኽንያት'፡ 'ገባሪ ሓዳጊነት' [ውልቀ መላኺነት]፡ 'ናይቲ ኲናት ዓላማ እንታይ እዩ' ፡ 'ክንደይ ሰብ ክመውት ኣለዎ' ዝብሉን ዝመሳሳሉን ተረርቲ መደባት ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ሰለሞን ሹምዬ ቅድም ክብል፡ 'ሻህን ቡን' ዝተሰምየ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘትኩር መደብ ቴሌቪዥን ብምቕራብ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
በቃሉ አላምረው-
አልፋ ቴሌቪዥን ዝተብሃለ ዩቲዩብ ሚዲያ መስራትን ወናኒን እንትኸውን፡ 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ብጽባሒትኡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ዝብል ክሲ ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ ፖሊስ መርመራ ከካይድሉ ናይ 12 መዓልታት ተፈቒዱሉ።
መንግስቲ ክጽላእን፡ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ክለዓልን ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ገበን እዩ ብፖሊስ ቀሪብዎ።
በቃሉ ቅድም ክብል' ውን ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ስኑዕ ሓበሬታ ብምቅላሕን ናይ መንግስቲ ስም ብምጽላምን ብዝብል ገበን ን16 መዓልታት ተኣሲሩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ አውሎ ሚዲያ ዝተብሃለ ዩቲዩብ ሚዲያ ዝሰርሕ ዝነበረ በቃሉ ደጊሙ ምስ ጋዜጠኛታት ኢትዮ ፎረም አውሎ ሚዲያ ተኣሲሩ ነይሩ።
ንሱ'ውን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ኣዋሽ-ሰባት ኪሎ ዝርከብ መሰልጠኒ ፖሊስ ን49 መዓልታት ምስተኣስረ፡ 12 ነሐሴ 2013 ዓ.ም ብዋሕስ ተለቒቑ ነይሩ።
ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ኣልፋ ሚዲያ ዝብል ኣጣይሹ፡ 'ብልጽግና ተኸፋፊሉ እዩ'፣ 'ዘመን ብልጽግና ናይ ጸልማት ዘመን እዩ'፡ 'ስጉምቲ ሓይሊ ጠጠው ክብል ኣለዎ' ገለ ዝብሉ መደባት ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ተመስገን ደሳለኝ
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀይዲ ምስ ዝወዓለ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ፡ ብርጋዴር ጄኔራል ተፈራ ማሞ 'ምስጢራት'ቲ ጄኔራል' ብዝብል ቀለ መሕትት ኣካይዱ ነይሩ።
18 ግንቦት 2014 ዓ.ም ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ማኔጂንግ ዳይሬክተርን መስራትን መጽሔት 'ፍትህ' ዝኾነ ተመስገን፡ ገንዘብ ተኸፊልዎ ናዕቢ የለዓዕል ነይሩ ዝብል ክሲ ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም ናብ መጋብእያ ቀሪቡ ነይሩ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ምክልኻል ሃገር ብህዝቢ ክጽላእ ሰሪሑ ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብሉ ይርከብ።
ተመስገን ደሳለኝ 4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ስኑዕ ሓበሬታ ኣቃሊሑ ብዝብል ተኣሲሩ ዝነበረ ዀይኑ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ተለቒቑ ነይሩ።
ቅድሚኡ'ውን፡ ኣብ እዋን ስርዓት ኢህወዴግ፡ ንሰለስተ ዓመት ምስ ተኣስረ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝዋይ ዝተፈትሐ እዩ።
ተመስገን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ፡ "ጊዜ ለኩሉ" ዝብል መጽሓፍ ጽሒፉ ናብ ዕዳጋ ዘርጊሑ ነይሩ።
መስከረም አበራን መዓዛ መሐመድን
መስከረም፡ መስራቲት 'ኢትዮ ንቃት' ናይ ዝተብሃለ ዩቲዩብ ሚዲያ ኮይና፡ 13 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እያ ኣብ ቀይዲ ውዒላ።
ፖሊስ፡ ክልል ኣምሓራ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ክንጸል ከምኡ'ውን ፋኖ ኣብ ልዕሊ ፌዴራል መንግስቲ ክዕምጽ ኣለዓዒላ ዝብል ክሲ እዩ ተመስሪትዋ።
መስከረም፡ ኣብ ዩኒቨርስታት ሐዋሳን ዲላን ስነ-ዜጋ መምህር ዝነበረት ኮይና፡ ቅድም ሕዚ'ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብፍላይ "ኣባይ ሚዲያ" ን "የኔታ ቲዩብ"ን ብዝተብሃሉ ሚዲያታት እዋናውን ፖለቲካውን ትንታነ ብምቕራብ እያ ትፍለጥ።
------------------------
ሮሃ ሚዲያ ዝተሰምየ ዩቲዩብ ሚዲያ መስራቲት ዝኾነት መዓዛ መሓመድ 20 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
መዓዛ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ዝብል ክሲ ዝተመስረታ ዀይና፡ ሰኑይ 22 ግንቦት 2014 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። ቤት ፍርዲ፡ ፖሊስ ሸውዓተ መዓልቲ መርመራ ከካይድ ፈቒድሉ ኣሎ።
ቅድም ክብል፡ 2 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ውዒላ ዝነበረት ኮይና፡ ንሰሙናት ምስ ተኣስረት ተፈቲሓ።
ንሳ፡ ቅድም ክብል ኣባይ ብዝተብሃለ ሚድያ ደሓር ድማ፡ ሮሃ ብዝብል ዝፍለጥ ኣጣይሻ፡ ኣብ እዋናውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኣትኲራ ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ ቀረባ እዋን ከሳብ ዝሰርሐቶም መደባት "ልዕሊ ህወሓት፡ ንብልጽግና እየ ዝጽየፍ' ዝብል ነቐፌታ ይርከቦም።
--
ካብዚኣቶም ብተወሳኺ፡ ካልኦት ብፍላይ ድማ ዓሻራን ነስርን ብዝብሉ ዝፍለጡ ናይ ዩቱብ ሚድያታት ወነንትን ጋዜጠኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይዝረብ።
ኣብ ሲፒጀይ፡ ወዳቢት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ኣንጀላ ኪውንታል፡ "መንግስቲ ንነጻነት ፕሬስ ከምኡ'ውን ዜጋታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሎም ከምዘየገድሶ እዩ ዘርኢ" ኢላ።
ንሳ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ክሲ ከይተመስረቶም፡ ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲታ ኣላ።
መንግስቲ ብወገኑ፡ እቶም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ዘይኮኑስ ኣብ ዝተፈላለዩ ገበናት ክሳተፉ ዝተትሓዙ እዮም ዝብል መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ብሞይኡ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ የለን ድማ ኢሉ።