ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝዀነ ሕቶ ውትህድርና ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ

ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ብ19 ሚያዝያ 2022 [11 ሚያዝያ 2014 ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዝዀነ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ውትህድርና ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ።

እዚ መግለጺ፡ ነቲ "ኣድላዪ ብዝዀነ ኵሉ መገዲ" ኣብ ጐድኒ ሩስያ ደው ክንብል ኢና ብምባል፡ ብዙሓት ኢትዮጲያውያን መንእሰያት ኣብ ኣፍደገ 'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ብብዝሒ ተሰሊፎም ድሕሪ ምቕናዮም ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ እዩ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣድላዪ ዝበልዎ ሰነዳት ሒዞም ኣብ ከባቢ 'ቲ ኤምባሲ ተሰሪዖም ተዓዚቦም።

ኣብ ኣፍደገ'ቲ ኤምባሲ ደው ኢሉ ይጽበ ንዝነበረ ሓደ መንእሰይ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ብጽቡቕ ደሞዝ ኣብ ውትህድርና ይዅን ካልእ ዝዀነ ዝተረኽበ ስራሕ ክቝጸር ከም ዝመጽአ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ንሩስያ እፈትዋ እየ" ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ሰባት ብወገኖም፡ ኣብ ሩስያ ብርክት ብዝበለ ደሞዝ ስራሕ ከም ዘሎ ሰሚዖም ከም ዝመጽኡ ገሊጾም።

ነዚ ጕዳይ ምርኵስ ብምግባር፡ ብ 10 ሚያዝያ 2014 [18/04/2022] ቢቢሲ ዘዘራረባ ኣፈኛ 'ቲ ኤምባሲ፡ ማሪያ ቸርኑኪና፡ "ኣድላዪ ብዝዀነ ኩሉ መንገዲ" ኣብ ጐድኒ ሩስያ ደው ክንብል ኢና ዝበሉ ሓያላ ኢትዮጲያውያን ናብቲ ኤምባሲ ይመጽኡ ከም ዘለው ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

እንተዀነ ሩስያ፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት፡ ኢትዮጲያውያን ተዋጋእቲ ክትምልምልን ከተዐስክርን መደብ ከም ዘይብላ እታ ኣፈኛ ተዛሪባ።

እቲ ኤምባሲ፡ ነቲ ኣብ 1961፡ ዝተኸተመ ውዕል ቬና ከም ዘኽብር ብምጥቃስ፡ በቲ ኣህጕራዊ ውዕል መሰረት፡ ኣብ ካልእ ሃገር ወተሃደራት ምምልማል ቅቡል ኣይኰነን፡ ኢሉ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ድሕሪ ምጅማር'ዚ ኲናት ብዙሓት ኢትዮጲያውያን፡ ብኣካል ይዅን ብኢመይል ንሩስያ ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ ከም ዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጐ'ዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ዘይጸዓድ ምሕዝነት ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ፡ ነዚ ሩስያ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት፡ ሰራዊት ሩስያ ብብቕዓት ክወጽኦ ከም ዝኽእል እምነቱ ይገልጽ፤ ንዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ደገፍ ኢትዮጲያውያን ንኢዱ።

እቲ ኤምባሲ ወሲኹ፡ ንሩስያ ኣብ ዝምልከት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለዓል ጕዳያት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሩስያ ዘርእዮ ዘሎ ደገፍ'ውን ዝድነቕ'ዩ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ብወገኑ፡ ብ 10 ሚያዝያ 2014 [18/04/2022] ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሩስያውያን መንእሰያት ኢትዮጲያ ዝገብርዎ ዘለው ፈተነ ነቲ ዘሎ ሓቂ ኣየንጸባርቕን እዩ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ኤምባሲ ዩክረይን ብተወሳኺ፡ ሩስያ ብዩክረይን ንዝወረዳ ናይ ተሰዓርነት ስምዒት ንኽትሽፍን፡ ብስውር ከተታልልን፡ ሕማቕ ጸወታ ክትጻወትን ትፍትን ኣላ፡" ክብል ይኸስስ።