እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን: ናይ መወዳእታ ሰዓታት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓንቲ ፍልጥቲ መርከብ ውግእ ሩስያ ብዝወረዳ ዕንወት ኣብ ጸሊም ባሕሪ ('ብላክ ሲ') ምጥሓላ ይዝከር።
እታ ምዕቡል ሚሳይላት ዝዓጠቐት ሞስክቫ ብባርዕ ተሰንያ እናጠሓለት ዘርኢ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት፡ ድሕሪ መዓልታት ኣብ መርበባት ኢንተርነት ክርአ ጀሚሩ'ሎ።
ኣብቲ እሙን ስእልታትን ቪድዮታትን እትርአ መርከብ፡ ምስ ቅርጺን ዲዛይንን ናይታ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትውንጭፍ እትኽእል ሞስክቫ ዝመሳሰል እዩ።
ሩስያ ከም ዝበለቶ፡ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መራኽብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝኮነት ሞስክቫ፡ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠማ፡ ምስኣ ዝነበረ ተተኮስቲ ምፍንጃሩ'ዩ።
ሰብ መዚ ሩስያ፡ እታ መርከብ ድሕሪ'ቲ ዘጋጠማ ኩነታት፡ ድማ ናብ ውሑስ ወደብ ተሳሒባ እናኸደት ብሰንኪ ሓያል ማዕበል ክትጥሕል ኪኢላ ይብሉ።
ዩክረይን ግን ብሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘጥሓለታ'ያ ትምጉት።
እቲ ተረኺቡ ዘሎ ስእላዊ ጭብጥታት ግን፡ ንናይ ክልቲኦም ወገናት ሓበሬታ ብቐሊሉ ዘረጋግጽ ኣይኮነን- ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን ዝርአ ሓያል ማዕበል ኣይነበረን።
እቲ ስእልታትን ቪድዮታትን እንታይ'ዩ ዘርኢ?
እቲ ስእልታት ብ14 ሚያዝያ ከም ዝተሳእለ ዝሕብር ኮይኑ፡ ዩክረይን ነታ መርከብ ከም ዝሃረመታ ድሕሪ ምግላጻ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ማለት'ዩ።
እቲ ብሓንቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ጃልባ ተቐዲሑ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገልጸ ናይ ሰለስተ ካልኢት ቪድዮ ድማ፡ ሞስክቫ ንጸጋም ክትዛዙ የርኢ።
ኣብ የማናይ ጎና ድማ፡ ሓንቲ ሻክተር ዝዓይነታ ናይ ሩስያ ጎታቲት ጃልባ ትርአ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ካብታ መርከብ ትኪ ክወጽእን፡ ገለ ክፋላ (ፍሪ-ቦርድ) ከቢድ ዕንወት ወሪድዎን ተቐዲሓ'ላ።
ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላታ ዝርአ ነዃላት ድማ፡ ብዙሕ ማይ ኣትዩዋ ከም ዘሎ ዘመልክት'ዩ።
ብዘይካ'ዚ ምስታ መርከብ ዝነበራ ናይ ሂወት ኣድሕን ጃላቡ ተዳልየን ይርኣያ።
ጠንቂ ምጥሓላ ዝገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ'ዶ?
ዩክረይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሓይልታታ ነፕቱን ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሓድሽ ሚሳይላታ ነታ መርከብ ከም ዝሃረመታ ትገልጽ።
ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ኣመሪካ ድማ፡ ናይ ዩክረይን ሓበሬታ ከምዝኣምኑ ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ተዛሪቦም ነይሮም።
ሩስያ ግን፡ ኣብታ መርከብ ብዝተፈጥረ ነትጒ ከምዝዓነወትን ብሰንኪ "ሓያል ማዕበል ባሕሪ" ከምዝጠሓለትን'ያ ትዛረብ።
ቢቢሲ ነቲ ስእልታት ናብ ሰለስተ ኪኢላታት ሓይሊ ባሕሪ ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ዝወረዳ ዕንወት ምስ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ዝመሳሰል ምዃኑ ተሰማሚዖም።
ብዛዕባ ካልእ ጠንቅታት ምጥሓል ግን ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።
ነፕቱን ሚሳይላት
ኣባል ዓለምለኻዊ ትካል ትስትራተጂካዊ መጽናዕቲ፡ ጆናታን ባንታም፡ እታ መርከብ ብርግጽ ካብተን "ስላቫ" ብዝብል ደረጃ ዝጽውዓ ምዃናን ሞስክቫ "ክትከውን ከምእትኽእልን" ይገልጽ።
እቲ ወሪዱዋ ዝነበረ ማህረምቲ ምስቲ ብነፕቱን ሚሳያላት ክወርድ ዝኽእል ዕንወት ዝመሳሰል'ኳ እንተኾነ፡ ካልኦት ጠንቅታት'ውን ኣብ ግምት ክኣትዉ ኣለዎም ይብል።
ዝለሓዀ ነዳዲ
ካልእ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይትኡ ዝሃበ ድማ ብሪጣንያዊ ሪር ኣድሚራል ክሪስ ፓሪ እዩ። ንሱ፡ ኣዛዚ ሓንቲ 'ዲስትሮየር' ዝዓይነታ ናይ ውግእ መርከብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ህራማ ናይ ሚሳይል ምዃኑ ይዛረብ።
"ንውሽጢ ዝተጠምቦቐ ጎኒ ናይ መርከብ'ዩ ዝርአ" ዝበለ ሪር ኣድሚራል ፓሪ፡ "ውሽጣዊ ነትጒ ነይሩ እንተዝኸውን ንደገ ዝወጽአ ሓጺን ምርኣና ኣብ ክንዲ ንውሽጢ። እዚ ግን ንውሽጢ ከምዝነኾለን ከምዝተፈንጀረን'ዩ ዘመልክት። ብሓደ ወይ ክልተ ሚሳይላት ከም ዝተሃርመት ዘጠራጥር ኣይኮነን" ብምባል ድማ ይድምድም።
እቲ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ዝነበረ ኣድሚራል ትኪ ክትዕብሎኽ ዝገበረ ዕንወት፡ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ሚሳይላት ብመጥቃዕቲ ምስ ነቕዐን ኣብኡ ዝነበረ ነዳዲ ምስለሓዄን ዝሰዓበ ከይኮነ ኣይተርፍን ይብል።
"ደርብታት ናይታ መርከብ ምሉእ ብምሉእ ዘቢሉ'ዩ ዝርአ፡ እታ መርከብ ብምልእታ ዝነደደት'ያ ትመስል። ከምዝመስለኒ፡ እቲ ነዳዲ ናብቲ ደርብታት ፈሲሱ'ሎ፡ ዋላ ናብ ድሕሪት" ከኣ ይብል።
ዝተፈንጀረ ተተኮስቲ
ምስ 'ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዝተባህለ' ትካል ዝሰርሕ ካልእ ወተሃደራዊ ኪኢላ ሲድሃርት ካውሻል ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቀንዲ ክፋል ናይቲ ብሓዊ ዝዓነወ፡ "ኣብቲ ተተኮስቲ ጸረ-ነፈርቲ ብረታት ዝቕመጠሉ ዘሎ ቦታ'ዩ" ይብል።
"ሓደ ግምት፡ ናይ ፈለማ መጥቃዕቲ ንተተኳሲ ጸረ-ነፈርቲ ብረታት ምስ ሃመኾ ባርዕ ተፈጢሩ" ክኸውን ከምዝኽእል ካውሻል ይዛረብ።
ኩነታት ባሕሪ
ዋላ'ኳ ኩነታት ባሕሪ ተለዋዋጣይ እንተኾነ፡ ኣብቲ ቪድዮ ሞስክቫ ብሰንኪ ማዕበል ባሕሪ ጥሒላ ንዝብል ምጉት ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ዝድግፍ የለን።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ቅድሚ ምጥሓላ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እታ መርከብ ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ'ሎ። ኩሎም ኣባላታ ግዒዞም ኣለዉ" ኢሉ ነይሩ።
ቢቢሲ ነቲ መግለጺታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።
ሩስያ፡ ብዛዕባ ግዳያት ናይታ መርከብ'ውን ዝሃበቶ ሓበሬታ የለን።
ብቐዳም፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ዝደሓኑ ኣባላት ናይታ መርከብ ኣብ ወደብ ሰቫስቶፖል ተሰሪዖም የርኢ።
እታ 510 ኣባላት ዝነበሩዋ ሞስክቫ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ትመርሕ ዝነበረት'ያ።
ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይቲ ኲናት፡ እታ መርከብ ኣብ ሓንቲ 'ስኔክ ኣይላንድ' (ደሴት ኣትማን) ንዝነበሩ ውሑዳት ዩክሬናውያን ሓለውቲ ኢዶም ክህቡ መልእኽቲ ምስ ገበረትሎም፡ እቶም ወተሃደራት፡ "ናብ ገሃነምኪ ጥፍኢ" ዘስምዕ ግብረመልሲ ሂቦማ ተባሂሉ ዝተነግረላ'ያ።