ኲናት ዩክረይን፡ ሰራሕተኛታት ናይታ ዝጠሓለት መርከብ ሩስያ 'ንፈለማ እዋን ተራእዮም'

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ንፈለማ እዋን ምስሊ ኣባላት ናይታ ብሞስክቫ እትፍለጥን ምልክት ሩስያ ዝነበረትን ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝጠሓለት ገዛፍ ወታሃደራዊት መርከብ ዘርጊሑ፡፡

እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብታ ኣብ ክሬምያ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሴቫስቶፖል፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣድሚራል ኒኮላይ የቭመኖቭ ንብዙሓት ዝተሰለፉ ባሕረኛታት ሰላምታ ክህቦም ይረኣይ፡፡

ሞስክቫ ፍልይቲ ምልክት መራኸብ ጸሊም ባሕሪ እያ ነይራ፡፡

ምጥሓል ናይታ መርከብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ ሞራላዊ ኪሳራ ከምዘስዓበ እውን ዝግለጽ፡፡

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሞስክቫ ነትጒ ብዝፈጠሮ ሓዊ ከምዝጠሓለት ኣፍሊጡ እዩ፡፡

ዩክረይን ብኽልተ ነፕቱን ሚሳይላት ወቒዓ ከምዘጥሓለታ እያ እትገልጽ፡፡

ሩስያ ንሰራሕተኛታት ናይታ መርከብ፡ ናብታ ኣብ 2014 ብሓይሊ ካብ ዩክረይን ዝመንዘዐታ ግዝኣት ክሬምያ እትርከብ ደሴት ሴቫስቶፖል ከምዘግዐዘቶም ሓቢራ ኣላ፡፡

ኣብቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝዘርገሖ ቪድዮ ኣድሚራል የቭመኖቭን ካልኦት ክልተ ሰብመዝን ኣብ ቅድሚ ኣስታት 100 ባሕረኛታት ዘርእይ ኮይኑ፡ እቲ ርክብ መዓዝ ከምዘተኻየደ ግን ኣይገለጸን፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣዛዚ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ሴቫስቶፖል ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ ማእከል ዓሪፎም ከምዘለዉን፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘለዎም ኣገልግሎት ከምዝቕጽሉን ክዛረብ ይስማዕ፡፡

ሩስያ ኣብታ ዝጠሓለት መርከብ ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት ኣይገለጸትን፡፡

ሽሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ግና ሃገሩ ኣብቲ ሓደጋ ጉድኣት ከምዝበጸሐ ከምእትኣምን ንሮይተርስ ተዛሪቡ፡፡

ዩክረይን ብወገና ካፕቴን ናይታ መርከብ ኣንቶን ኩፕሪን ኣብቲ ሓደጋ ከምዝተቐተለ'ኳ እንተገለጸት፡ ቢቢሲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡፡

እታ 12,490 ቶን እትምዘን ተዋጋኢት መርከብ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ውግእ ዝጠሓለት ዝዓበየት መርከብ እያ፡፡

ኣብታ ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ 24 ለካቲት፡ ሰራሕተኛታት ሞስክቫ ነቶም ንስኔክ ኣይስላንድ ዝሕልዉ ዝነበሩ ውሑዳት ዩክረይናውያን ወታሃደራት ኢዶም ክህቡ እንትሓቱዎም ብዝተቐደሐ ድምጺ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ፡፡

ኣብቲ እዋን እቶም ወታሃደራት ''ናብ ገደል እተዉ'' ዝብል ምላሽ ብምሃብ ንዝገለጽዎ እምቢታ ብዩክረይናውያን ዓብዪ ናእዳን ክብርን ተዋሂብዎም፡፡

ኣብ ዘበነ ሶብየት ዝተሃነጸት ወታሃደራዊት መርከብ ሞስክቫ፡ ኣብ ፈለማ 1980ታት እያ ናብ ስራሕ ኣትያ፡፡

እታ መርከብ ኣብታ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ብኸቢድ ብሰራዊት ሩስያ ዝተደብደበት ዩክረይናዊት ከተማ ማይኮለይቭ እያ ተሰሪሓ፡፡

ሞስክቫ ኣብ ኲናት ሶርያ ንዝሳተፉ ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኮይና ሚሳይላት ብምትኳስ ሽፋን ብምሃብ ተሳቲፋ እያ፡፡

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝጀመረቶ ወራር ዝኸሰረታ ካልኣይቲ ዓባይ መርከብ ኮይና ኣላ፡፡