ኲናት ዩክሬን ከጋድዱ ዝኽእሉ ሰለስተ ተኽእሎታት

ሚኒስትራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ንዩክሬን ብወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምሕጋዝ ክሳብ ክንደይ ክኸዱ ከም ዘለዎም ንምዝታይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም ነይሮም።

ኣብዚ ኲናት፡ ኔቶ ዝገጠሞ ፈተና ብቐጥታ ናብቲ ኲናት ከይተሳተፈን ምስ ሩስያ’ውን ናብ ረጽሚ ከይኣተወን፡ ፈታዊቱ ዩክሬን ዓርሳ ክትከላኸል እኹል ወተሃደራት ሓገዝ ብኸመይ ክህብ ይኽእል ዝብል’ዩ።

መንግስቲ ዩክሬን ኣብዚ ጉዳይ ግልጺ መርገጺ ሒዙ ሓገዝ ክግበረሉ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።

ሩስያ፡ ብምራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ክልል ዶንባስ ካብ ሩስያ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ክትከላኸል ትደሊ።

ነዚ፡ ሃገራት ምዕራብ ብህጹጽ ከም ጸረ ታንክን ጸረ ነፈርትን ዝበሉ ናይ ሚሳይል ስርዓታት ሓዊሱ ኣጽዋራትን ጠያይትን ንሮኬት ክሃርሙ ዝኽእሉ ኣብ እንግድዓ ዝጽወሩ ጸረ ታንኪ ኣጽዋራት [ጃቬሊንስ]፣ ብብዝሒ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ነፈርቲ ሶቭየት ዝተጠቐመትሎም ሰብ ዘንቀሳቕሶም ጸረ ነፈርቲ ኣጽዋርን [ስትሪንገርስ] ክወሃባ ትጠልብ።

ክንድኡ ዝኣክል ይውሃባ’ዩ ዘሎ፤ ዩክሬን ግን ካብኡ ንላዕሊ ትደሊ።

ዩክሬን፡ ታንክታት፣ ነፈርቲ ውግእ፣ ድሮናት፣ ዘመናዊ መከላኸሊ ሚሳይልን ካብ ሩስያ ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ንምምካት ዝሕግዛ ከምኡ’ውን ነዊሕ ርሕቐት ዝጉዓዙ ሚሳይላት ትጠልብ።

ብዙሓት ክኣ፡ ኔቶ ሓገዝ ከይገብር ዝዓግቶ ዘሎ እንታይ እዩ ክብሉ ይሓቱ።

እቲ መልሲ፡ እቲ ኲናት ከይዓርግ ዝብል እዩ።

ሩስያ ናይ ሓጺር ርሕቐት ኣጽዋራት ኒኩሌር ከይትጥቀም ወይ’ውን እቲ ኲናት ካብ ዶባት ዩክሬን ሓሊፉ ናብ መላእ ኤውሮጳ ከይልሕም እሞ ናይ ኤውሮጳ ኲናት ከይኸውን ዝብል ስግኣት መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ዓጊቱ ይሕዞም ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬን ዝሃብኦ ድጋፍ

  • ልዕሊ 30 ሃገራት [ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃቦ ሓደ ቢሊዮን ዩሮ፣ ኣመሪካ ዝሃበቶ 1.7 ቢሊዮን ዶላር ሓዊሱ] ወተሃደራዊ ሓገዝ ገይረን
  • ውሱን ቀረባት ከም ጸረ ታንክን ጸረ ነፈርትን ዝበሉ ናይ ሚሳይል ስርዓታት ሓዊሱ ኣጽዋራትን ጠያይትን
  • ንሮኬት ክሃርሙ ዝኽእሉ ኣብ እንግድዓ ዝጽወሩ ጸረ ታንኪ ኣጽዋት -ጃቬሊንስ
  • ብብዝሒ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ነፈርቲ ሶቭየት ዝተጠቐመትሎም ሰብ ዘንቀሳቕሶም ጸረ ነፈርቲ ኣጽዋር [ስትሪንገርስ]
  • ብሪጣኒያ ዝሰርሓቶ ሓጺር ርሕቐት ዝውንጨፍ ናይ ኣየር መከላኸሊ ሚሳይል
  • ኣባል ሃገራት ኔቶ ከም ታንክን ናይ ውግእ ነፈርትን ዝበሉ ኣጽዋራት ብብዝሒ ንዩክሬን ምድጋፍ ምስ ሩስያ ግልጺ ኲናት ምእዋጅ እዩ ብዝብል ስግኣት ብዝብል ስግኣት ብዝሒ ዘለዎም ኣጽዋራት ክህቡዋ ይሰግኡ
  • እንተኾነ እዚ ቼክ ሪፐብሊክ T72 ታንክታት ካብ ምሃብ ኣይኣገዳን

ፕሬዝንት ቭላድሚር ፑቲን እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ፡ ሩስያ እታ ዝዓበየት ወናኒት ሓይሊ ኣጽዋር ኒኩሌር ከም ዝኾነት ብምግላጽ ንርእሳ ንምክልኻል ክትጥቀመሉ ኣብ ተጠንቀቕ ክዳሎ ከም ዝገበረ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

“ሩስያ ዝበዝሐ ኣጽዋር ኒኩሌር ኣለዋ’ዩ፤ ስለዚ ኣይትድፍኡና” ኢሉ።

ሓንጸጽቲ ስትራቴጂ ኔቶ ድማ፡ ሓንሳብ እቲ ኣብ ልዕሊ ኒኩሌር ዘሎ ነውርነት እንተተጥሒሱ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራብን ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ኒኩሌር ምልውዋጥ [ውግእ] ከይፍጠር ከም ዘስግኦም ይገልጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ከበድቲ ግፍዕታት ፈጺሞም’ዮም ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ኣሎ።

እዚ’ውን ኮይኑ ግን ኔቶ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይፈተነን፤ እታ T72 ታንክታት ዝልኣኸት ቼክ ሪፐብሊክ ፈላመይቲ ኣባል ሃገር ኔቶ እያ።

ስሎቫኪያ እውን ኤስ300 ዝብሃል ናይ ኣየር መከላኸሊ ሚሳይል ትልእኽ ኣላ። እዞም ስጉምታት እቲ ኲናት እንትጅመር ሓደገኛታት ይመስሉ ነይሮም።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ባይቶ ኔቶ ቶቢያስ ኤልውድ ፑቲን ኣጽዋራት ኒኩሌር ዝምልከት ዝብሎ ዘሎ ጣቛ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ኔቶ ካብዚ ንላዕሊ ክገብር ኣለዎ ካብ ሞንጎ ዝብሉ’ዩ።

“እቶም ክንህቦም እንኽእል ኣጽዋር ዝምልከት ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ጸኒሕና ኢና። ዝበለጸ ኣመለኻኽታ የድልየና እዩ፤ ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ሓገዝ፡ ዩክሬናውያን ንክከለኻሉ እምበር ንክስዕሩ ኣይኮነን፤ እዚ ክልወጥ ኣለዎ” ኢሉ።

ስለዚ፡ ኲናት ሩስያ-ዩክሬን ንኔቶ ስሒቡ ከእቱ ናብ ዝኽእል ጎንጺ መላእ ኤውሮጳ ብኸመይ ክዓቢ ይኽእል?

ነዚ ኣመልኪቱ ብዙሓት ግምታት ኣለው፤ እቶም ሰለስተ ግን

  • ብሓገዝ ኔቶ ዝተረኸበ ጸረ- መርከብ ሚሳይል፡ ኣብ ኦዴሳ ዝነበሩ ሓይልታት ዩክሬን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ንዝነበረት ኲናት መርከብ ሩስያ ምስ ሃረሙዋ ጥሒላ እያ። በዚ ምኽልያት ኣስታት 100 ባሕረኛታትን መርከበኛታትን ከም ዝሞቱ ይግለጽ። ቑጽሪ ግዳያት ካብዚ ንላዕሊ እንተኾይኑ ፕሬዝደንት ፑቲን ብዝኾነ መልክዑ ምላሽ ክህበሉ ጸቕጢ ከሕድረሉ ይኽእል
  • ስትራቴጂካዊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ካብ ከም ኣባል ሃገራት ኔቶ ዝኾና ፖላንድን ስሎቫኪያን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሒዘን ናብ ዩክሬን ንዝጉዓዝ ዝነበራ ቃፍላይ መካይን ዘነጻጸረ’ዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዶብ ኔቶ ጉድኣት እንተበጺሑ ብቐጥታ ኔቶ ዓንቀጽ ሓሙሽተ ሕገ መንግስቲ ኔቶ ከልዕል ክገብሮ እዩ። እዚ ድማ መላእ ልፍንቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ ይገብሮ
  • ኣብ ዶንባስ ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ሓደ ትካል ኢንዳስትሪ ምፍንጃር ከስዕብ እንከሎ ካብዚ ኣዝዮም ሓደገኛ ኬሚካላዊ ጋዛት ወጺኦም። እንተኾነ ናይ ሞት ሓደጋ ኣይተመዝገበን፥ ግን ድማ ብልክዕ እቲ ኣብ ሶርያ ዝወዓለ በካሊ ጋዝ ስለ ዝኾነ፡ ሓይልታት ሩስያ ኮነ ኢሎም ክፍጠር ዝገበሩዎ ሓደጋ እንተኾይኑ፡ ኔቶ ምላሽ ክህበሉ ክግደድ እዩ።

ዋላ ሓደ ካብዞም ግምታት ግሃድ ዝኸውን ግን ዘይክህሉ ይኽእል እዩ።

ይኹን’ምበር ሃገራት ምዕራብ ንወራር ሩስያ ዝሃብኦ ምላሽ ሓድነት እኳ እንተኣርኣየ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ግን ሓሲበን ዝህብኦ ዘለዋ ኣይኮነን ዝብል ነቐፌታ ይቐርበለን።

ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ሙኩር ላዕለዋይ ክኢላ ሰራዊት ብሪጣኒያ “እቲ ዓብዪ ስትራቴጂካዊ ሕቶ፡ መንግስትና ቅልውላው ኣብ ምምሕዳር ድዩ ዋላስ ጭቡጥ ስትራቴጂ’ዩ ዘሎ ዝብል እዩ። እዚ ክሳብ መወዳእታ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ።

“ሕጂ ዩክሬን ንምሕጋዝ ዝኽኣልናዮ ኢና ንፍትን ዘለና፤ እቲ ጸገም ግን ፑቲን ካባና ንላዕሊ እዩ ዝጻወት” ኢሉ።

ቶቢያስ በዚ ይሰማማዕ።

“ሩስያ እቲ ስግኣት ቐልጢፉ ክዓርግ ገይራ እያ። ንሕና ክኣ ፈሪሕና፤ እቲ ነገራት ዘጋድድ ዘሎ መሰላል ክንቆጻጸሮ ኣይክኣልናን” ይብል።