እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ሃገራት ምዕራብ ተወሳኺ ኣጽዋር ናብ ኪቭ ክልእኻ እየን
ዩክረይን ነቲ ብሩስያ ዝተኸፈታ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትምክት፡ ደገፍታ ተወሳኺ ኣጽዋር ንምልኣኽ ቃል ኣትየን፡፡
ኣመሪካ እትርከበን ደገፍቲ ዩክረይን ብሰሉስ ኣብ ዘካየደኦ ናይ ቪድዮ ኣኼባ ከበድቲ ኣጽዋር፣ ጸረ ታንክን መከላኸሊ ኣየርን ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ተመጻቢዐን ኣለዋ፡፡
ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣዝዩ ዝተፈረሐ ሓድሽ ወታሃደራዊ ወፍሪ ምጅማራ ስዒቡ፡ ዩክረይን ዓርሳ ንምክልኻል ሓገዝ ኣጽዋራት ከምዘድልያ ትገልጽ፡፡
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብሰኑይ ‘‘ዶንባስ ንምሓዝ ዝግበር ኲናት ተጀሚሩ’’ ክብል ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
ሩስያ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ግዝኣታት ሉሃንስክን ዶነስክን ዘጠቓለለ ዞባ ዶንባስ ትኹረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እያ እተካይድ ዘላ፡፡
ብመሰረት ጸብጻብ ዩክረይን፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ መላእ እቲ ን 480 ኪሜ ዝዝርጋሕ ድፋዓት ዩክረይን መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለው።
ሩስያ ሓድሽ ወፍሪ ምጅማራ ስዒቡ ምዕራባውያን መራሕቲ ብዛዕባ ንዩክረይን ዝገብርዎ ወታሃደራዊ ሓገዝ ዘትዮም ኣለዉ፡፡
ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ: ቁጽሪ ነፈርቲ ዩክረይን ንምውሳኽን ዝተበላሸዋ ንምዕራይን ተወሰኽቲ ነፈርትን መለዋወጢ ኣካላትን ከምዝተልኣኸ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡
ኣመሪካ ባዕላ ነፈርቲ ከምዘይኣለኸት ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ካብ ኣየኖት ሃገራት ከምዝተልኣኸ እውን ኣይገለጸን፡፡
ፕረዚደነት ዘለንስኪ፡ ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ካብ በረራ ነጻ ክልል ክትእውጅ እንተዘይክኢላ ስራሓት ሶቭየት ዝኾነ ጸረ-ነፈርቲ ክትህባ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፖላንድ ነፈርቲ ሚግ-29 ካብ ኣመሪካ ተቐቢላ ንዩክረይን ክትህባ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኣመሪካ ተቓዊማቶ ነይራ፡፡
ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ክንዲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ዝገበረቶ ናይ 800 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝኸውን ተወሳኺ ወታሃደራዊ ድጋፍ ከምእትገብር ተዛሪቡ፡፡
ተወሳኺ ከበድቲ ኣጽዋርን ንናይ መሬት ውግእ ዘገልግል ከበድቲ ብረታትን ከምዝልእኽ እውን ገሊጹ፡፡
ካብ ኣመሪካ ብተወሳኺ ካልኦት ሃገራት እውን ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ከምዝልእኻ ኣፍሊጠን ኣለዋ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ ዩክረይን ብዙሕ ኣጽዋር ከምዘድልያን ክልእኹላ ምዃኖምን ሓቢሩ፡፡
ቻንስለር ኦላፍ ስኮልዝ፡ ዩክረይን ካብ ጀርመናውያን ኣፍረይቲ ጸረ ታንክታትን ኣጽዋራትን ክትገዝእ ሃገሩ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምእትገብረላ ኣፍሊጡ፡፡
ቼክ ሪፓብሊክ ብተመሳሳሊ ጉድኣት ዝበጸሐን ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዩክረይን ክትጽግን ምዃና ገሊጻ፡፡
እቶም መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ተወሳኺ ማዕቀብን ቀጻሊ ውሕስና ዩክረይንን እውን ዘትዮም፡፡
ሩስያ ብወገና ነቲ ንዩክረይን ዝወሃብ ኣጽዋራት ብትሪ ትቃወሞ ኣላ፡፡
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣመሪካን ንሳ እትቆጻጸረን ሃገራትን ነቲ ኲናት ንምንዋሕ ይጽዕራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ፡፡