እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ዝርርብ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ኣለዎ ኢላ
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ንምፍታሕ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንዝገብሮ ጻዕሪ ደጊፉ።
እቲ ባይቶ ብሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝጀመርዎ ዝርርብ ክቕጽላ ተማሕጺኑ። እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ርክብ እተን ሃገራት ዛጊት ብዙሕ ውጽኢት ኣየምጽአን።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ድርድር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብህጹጽ ክካየድ ከም ዝግባእ ተዛሪባ።
"ነዚ ምስሕሓብ መፍትሒ ንምርካብ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እቲ ግቡእ ትካል እዩ፤ ኣመሪካ ድማ ፖለቲካውን ቴክኒካውን ደገፍ ንምግባር ድልውቲ እያ" ኢላ።
ርክብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን እተን ሰለስተ ሃገራትን እወታዊ ውጽኢት ምእንቲ ክርከቦ ተዓዘብቲ እቲ ዝርርብ ካብ ዝኾኑ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ድጋፍን ተሞኩሮን ክወስዱ እታ ኣምባሳደር ሓቲታ።
እተን ሰለስተ ሃገራት ኣብ 2015 ዝኸተምዎ ናይ መሪሕ ስምምዕን ኣብ 2020 ዝወጸ መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ከም መበገሲ ክጥቀምሉ ከም ዝግባእ'ውን ገሊጻ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምራሕ ዝርርብ "ክሕይል" ከም ዝግባእ ብምግላጽ ደገፍ ንምሃብ ድልውነቱ ኣረጋጊጹ።
ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዝያ፡ ሰለስቲኦም ወገናት ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ኣብ ኒውዮርክ ክራኸቡ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ኢትዮጵያ ካልኣይ መድረኽ ምምላእ ማይ እቲ ዲጋ ከም ዝጀመረት ድሕሪ ምሕባራ እየን፡ ግብጽን ሱዳንን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ሕቶ ኣቕሪበን።
እቲ ባይቶ ሓቛፊ ዝኾነ ስምምዕ ክብጻሕ ድፍኢት ክገብር ግብጽን ሱዳንን ይደልያ።