ኤርትራ: ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ ኣብ ንብረትን ጥሪትን ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ኤርትራ፡ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ብሰሉስ ብዝሃረመ በረድን ህቦብላን ዝተሓወሶ ዝናብ ኣብ ትካላት፡ ጥሪትን ሕርሻን ጉድኣት ከም ዝወረደ ቴለቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ።

በቲ ሓደጋ ኣብ ኮርባርያ ናይ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ህንጻ ጉድኣት ክበጽሖ እንከሎ፤ ዚንጎታት ሓደ ትካል መፍረ ጸባ'ውን ከም ዝተቐንጠጠ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ብዘካ'ዚ ኣብ ዓዲግና ዝርከብ ሓደ መባእታ ቤት ትምህርቲ'ውን ዚንጎታት ሓሙሽተ መምሃሪ ክፍልታትን መንበሪ መማህራንን ብምቕንጣጡ ኣብ ንብረት "መጠናዊ ጉድኣት" ከም ዝወረደ እታ መደበር ቴለቪዥን ገሊጻ።

በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ኣስታት ፍርቂ ሄክታር ሕርሻ ኣሕምልቲ ከም ዝተደምሰሰን 10 ጤለበጊዕን 17 ከብትን ከም ዝሞታን ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ - ምምሕዳር ከባቢ ተራእምኒ፡ ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ንብረትን ሃብቲ ገረብን ዕንወት ኣውሪዱ ምንባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሓን።

ብመሰረት እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ፡ ሓንቲ ቤት-ትምህርቲ ክትዓኑ እንከላ፡ ዓሰርተታት ኣግራብ ከምዝወደቑን ተሓቢሩ።

ኣብ ዓዲኳላ'ውን፡ ኣባይትን ሞቶረታትን ብውሕጅ ክውሰዱ እንከለው፡ መስመር ኤለክትሪ ተበቲኹ ከምዝነበረ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጸብጺባ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኤርትራ ሓያል ሙቐት ተኸሲቱ ከምዝነበረን ምስ ምምጻእ ክራማት ድማ እቲ ኩነታት ኣየር ዝሒሉ ከምዘሎ ነበርቲ ገሊጾም።

መብዛሕትኡ ክፋል ኤርትራ ካብ መፋርቕ ሰነ ክሳዕ መስከረም ዝቕጽል ናይ ዝናብ ወቕቲ ዘለዎ ኮይኑ ብማእከላይ ገምጋም ዓመታዊ 500 ሚሜ ዝናብ ትረከብ።