ኤርትራ: ሓረስቶት ብብርቱዕ ዝናብ ካብ ዝስዕብ ሓደጋ ክጥንቀቑ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣተሓሳሲቡ

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ኣብ ገማግም ሩባታት ዝነጥፉ ሓረስቶት ጥንቃቐታት ክገብሩ ተማሕጺኑ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ምስ ህሉው ብርቱዕ ክራማት ተታሓሒዙ ሓረስቶት ዞባ ጋሽ ባርካ ክጥንቀቁ ከም ዝተመሓጸነ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊትር ሎሚ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ዝነጥፉ ሓረስቶት ነቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝተወሃበ መምርሒታት ከኽብሩ ከም ዝግባእ ዝሓበረ እቲ መጸዋዕታ፡ ሓረስቶት ንሓይሊ ንፋስ ዝዕንቅፉ ኣግራብ ክተኽሉን ግራቶም ካብ ገምገም ሩባ ክህልዎ ዝግባእ ርሕቐት ብምሕላው ካብ ብዕልቅልቅ ዝስዕብ ምብሑጓግ መሬትን ዕንወት ዘራእትን ክጥንቀቑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ዞባታት ጽቡቕ ክራማት ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ጎኑ ጎኑ'ውን ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ኣብ ዞባ ደቡባቂ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ ባርካን ኣብ ልዕሊ ንብረት ጥሪትን ሰብን ዕንወት ከምዘውረደ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ገሊጸን ምንባረን ይዝክር።

ንኡሳን ዞባታት ኣቁርደት ባረንቱ፡ ፎርቶ ሳዋ፡ ጎኘ፡ ሃይኮታ፡ ሎጎ ዓነሰባ፡ መንሱራ፡ ሞጎሎ፡ ሞልቂ፡ ጎልጅ፡ ሻምብቆ፡ ተሰነይን ላዕላይ ጋሽን ዝሓዘ ዞባ ጋሽ ባርካ ሓደ ካብ ቀንዲ ሕርሻዊ ወፍርታት ዝካየደሉ ዞባ ኮይኑ: ሞሶብ ኤርትራ እናተብሃለ እዩ ዝግለጽ።