እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብዝተራእየ ሕማም ቺኩንጉኛ ሰባት ይሞቱ ኣለው
ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብመንከስቲ ፍልይቲ ጣንጡ ቺኩንጉኛ ዝተባህለ ሕማም ተኸሲቱ ኣሎ። እዚ ተመሓላላፊ ባይረስ ንሓይሎ ነበርቲ ዶባት የጥቅዕን ሰባት ይቐትል ምህላዉ ሞያውያንን ነበርቲ እቲ ከባብን ይግልጹ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶባት ኣብ ዝርከባ ዓድታት ኣርባዕተ ዓሸር፣ ተላታ ዓሸር፣ ዓሊግድር፣ ተሰነይን ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ሓጋዝ ከም ዝበፅሐን ሓያሎ ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተጠቕዑን ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ካብ ከሰላ፡ መላእ ስድረኦም በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉን ምስሓወዩ እውን ከም ዝደገሶም ገሊጾም።
"እዛ ጣንጡ እዚኣ ኣይንፈልጣን ነይርና። ሕጂ ኢና ንርእያ ዘለና። ንጉሆ ሰዓት ሽድሽተ ወፂኣ ቀትሪ ትጠፍእ፤ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሽድሽተ ትንቀሳቐስ" ኢሎም።
በታ ጣንጡ ዝተነኸሰ ሰብ ብሃንደበት እናዕለለ ወይ እናሰርሐ ከሎ ረስኒ ከም ዝመጽኦን ኢዱን እግሩን ከኣ ከም ዝጨባበጥን ሓቢሮም።
ኣብ ከሰላን ዶብ ሱዳንን ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉን ከም ዝሞቱን፡ ሓደ ሓደ ነቲ ሕማም እናተኸታተሉ፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ግዳያት ዝተሓጋገዙ ዘለዉ ነበርቲ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም፥
ሓደ ስሞም ዘይተገለጸ ነባሪ ሱዳን "ሓንቲ ካብ ከሰላ ዝመፀት ሰብ ትማሊ ኣብዚ ሞይታ" ኢሎም።
ቺኩንጉኛ ንመጀመርያ እዋን ብ1953 ኣብ ታንዛንያ ከም ዝተርኣየ ይዝረበሉ። እቲ 'ጎቢጡ ዝኸይድ' ዝብል ትርጉም ዘለዎ ስም እቲ ሕማም እውን ማኮንዴ ብዝተበሃሉ ዓሌት ታንዛንያ እዩ ተዋሂቡ። ካብቲ እዋን ንደሓር ከኣ እቲ ሕማም ይረአን ይጠፍእን ነይሩ።
ብኸመይ ይመሓላለፍ?
ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን በዓልሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ተስፋልደት ገብረገርግስ፡ 'ኤደስ አይጂፕታይ' ትበሃል ጣንጡ ነቲ ቫይረስ ከም እተመሓላልፍ ይዛረብ።
"ብዙሕ ሕማማት'ያ ተመሓላልፍ። ደንጌ ፊቨር፣ የለው ፊቨር፣ እዝታት በታ ጣንጡ እዩ ዝመሓላለፍ።" ኢሉ።
ነቲ ቫይረስ ዝተሰከመት ጣንጡ ዝተነኸሰ ሰብ ዝኾነ ምልክት ከይተርኣዮ ክሳዕ ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል'ዩ። ብድሕሪኡ ከኣ ብርቱዕ ረስንን ቃንዛን የኸትል።
ዶክተር ተስፋልደት "ነቲ ቫይረስ ዝቐትልን ካብቲ ሕማም ዘሕዊ መድሓኒት የለን። መከላኸሊ ክታበት እውን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸበን።" ኢሉ።
ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ልዕሊ 11 ሽሕ ሱዳናውያን ከም ዝተጠቕዑ ይሕበር።
ሰፊሕ ምንቅስቓስ ህዝብታት ኢትዯጵያን ኤርትራን ዝረኣየሉ እዋን ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ዝነብር ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።
ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ወልደምርያም፡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ቫይረስን ሕማምን ግንዛበ ንኽህልዎ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ህዝቢ ግንዛበ ንኽህልዎ ትምህርቲ እናሃብና ኢና። ኣብ ትግራይ ግን ክሳብ ሕዚ በቲ ሕማም ዝተጠርጠረ የለን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሚንስትሪ ጥዕና ሱዳን መግለጺ ከይሃበ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 'ኣል-ሱዳኒ' ኣብ ዝተብሃለት ጋዜጣ ሱዳን፡ ዕለት 15 ወርሒ 10 ሕታም ግን በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሓኻይም ከም ዘለዉ መረጋገጺ ሂቡ።
ንምልባዕ እዚ ቫይረስ ዝምልከት ብወገን ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሚንስትሪ ጥዕና ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።