እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ዝኣወጆ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ‘ክባ እዩ’ ብዝብል ንዝቐረበ ክሲ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ
ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ‘ከበባ’ ከምዝኾነ ንዝቐረበ ክስን፤ ሕብረት ኣውሮጳ ‘መንግስቲ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ’ ክብል መጠንቕታ ምሃቡን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉ።
ኮሚሽነር ሰብኣዊ ሓገዝን ምእላይ ቅልውላውን ሕብረት ኣውሮጳ ጃኔዝ ሌናርቺክ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጀቶ “ተኹሲ ደው ምባል ዘይኮነስ ክባ እዩ፤ ጥምየት እውን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ” ክብል ነቲ ሕብረት ምዝራቡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተነቒፉ’ሎ።
ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንዘረባ እቲ ኮሚሽነር ‘ዘሕዝን’ ብምባል ነቲ ‘ኣብ ክባ ንምእታው ዝተገበረ’ዩ’ ዝብል ርእይቶ ከምዘይቅበሎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽነር “መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ መሰረተ-ልምዓት [ትሕተ-ቕርጺ] ብምዕናውን መውጽእታት ብምዕጻውን ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ” ምባሉ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዘየገናዘበ ዝጠቅስ መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ “ኣብ ልዕሊ መንግስቲ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ምምስራት መሪጹ’ሎ” ክብል ነቒፉ።
ኮሚሽነር ጀኔዝ ብ29 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ ዝሃበ ኮይኑ፤ እቲ ሽዑ ዘስምዖ ዘረባ ድማ ‘ኢዩ ኦብዘርቨር’ ኣብ ዝተባሃለ መጽሄት “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብሰርሖ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ” ብዝብል ርእሲ ተሓቲሙ’ሎ።
መንግስቲ ኣብ ትግራይ ጥምየት ከየጋጥም ክሰርሕ ምጽንሑ ዝሓበረ መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብራስለስ፡ ብኽልተ ዙር ኣብ ዝቐረበ ረድኤት ኣብቲ ጸገም ካብ ዝርከቡ እቶም 70 ሚኢታዊት ምብጻሕ ከም ዝተኻእለን እቲ ሕዚ ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ምባል ከኣ እዞም ዕላማታት ንምዕዋት ብዝያዳ ከምዝሕግዝን ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎ ቅሩብነት ብዝብገስ ነቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ከቕርቡ ዝደልዩ ኣካላት ፍቓድ በረራ ኣየር ከምዝሃበ’ውን ጠቒሱ።
እቲ ኮሚሽነር ንውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ክባ ንምእታው’ዩ” ዝበለሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ፤ ‘ዶባት ትግራይ ምዕጻው፣ በረራታት ምእጋድ፣ መገድታት ምዕናው፣ ምቁራጽ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ከይኣትዉ ምኽልካል” ዝብሉ ዘርዚሩ።
“ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን 900 ሽሕ ሰባት ጠምዮም ኣለዉ። ካልኦት ሓደ ሚልዮን ከኣ ኣብ ኣፍደገ ጥምየት ይርከቡ። እቲ ጥምየት ሰብሰርሖ እዩ። እዚ ድማ በዚ ተሓተትቲ ንዝኾኑ ኣካላት ዓቢ ውርደት’ዩ” ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣዋጅ በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ክትእውጅ ከላ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝቐረብ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ናይ ደገ ኣካላት ብፍላይ ብኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ንዝቐርብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ከምዝኾነ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ሓደ ስጉምቲ ስለዝኾነ ክነኣድ ከምዘለዎ ትገልጽ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ከምዝሃድአ ዝሓበሩ ካልእ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾኑ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ስሎቬንያ ኣንዜ ሎጋር፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ብዙሓት ከባብታት ከምዝወጽአን ሰራዊት ኤርትራ ድማ ናብ ከባቢ ዶብ ከምዝተመለሰን ተዛሪቦም።
ሓበራዊ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ግን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ኣስታት 91 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ እቲ ክልል “ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ እዩ” ብምባል ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኹሲ ደው ከብሉ ጸዊዖም።
ሕብረት ኣውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ቀጥታዊ ናይ በጀት ሓገዝ ዝኣገደ ኮይኑ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ዘተኣጓጉሉ ሰበስልጣን’ውን ስሞም ኣብ ጸሊም መዝገብ ከምዘስፍር መጠንቀቕታ ምሃቡ ጸብጻብ ኢዩ ኦብዘርቨር የመልክት።
እቲ ሕብረት ነቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ዝኸዱ ስደተኛታት ዝኸውን 118 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘውጽአ ኮሚሽነር ጃኔዝ ኣዘኻኺሩ’ሎ።