መጥቃዕቲ ቴክሳስ፡ በዓል ቤት ናይ ኣብ መጥቃዕቲ ቴክሳስ ዝተቐተለት መምህር "ብጓሂ ሞይቱ"

መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዓል ቤት ሓንቲ ካብተን ብሰሉስ ኣብ ዩቫልድ ቴክሳስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐተላ መምህራን፡ ብሕማም ልቢ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ጆ ጋርሽያ በዓል ቤት እታ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ ን23 ዓመታት ዘገልገለት ኢርማ ጋርሽያ ነይሩ።

ኢርማ ኣብቲ ዝተዓጠቐ ወርጠበ 19 ህጻናትን ክልተ ዓበይትን ዝቐተለሉ ዘሕዝን መጥቃዕቲ ህይወታ ስኢና።

እቶም ን24 ዓመታት ብሓዳር ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኣርባዕተ ቆልዑ ገዲፎም።

ብሓሙስ ምሸት ንስድራ ቤት እዞም ግዳያት ንምሕጋዝ ኣብ ዝተጀመረ ገንዘብ መተኣኻኸቢ መደብ 1.6 ሚልዮን ዶላር ተኣኪቡ፤ ፈለማ 10 ሽሕ ዶላር ንምእካብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ነቲ ምትእኽኻብ ሓገዝ እተወሃህድ ዘላ ዘመድ ኢርማ ዝኾነት ደብራ ኦስቲን "ጆ ብስብራት ልቢ ከም ዝሞተ እየ ብልቢ ዝኣምን" ክትብል ጽሒፋ።

ካልእ ቀረባ ዘመድ ኢርማ ጆን ማርቲነዝ ብተመሳሳሊ ጆ ኣብ ጽባሕ ሞት በዓልቲ ቤቱ "ብሓዘን ሞይቱ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ምንጪታት ፎክስ ድማ ጆ ጋርሽያ ብሃንደበታዊ ሕማም ልቢ ከም ዝሞተ ገሊጾም።

እቶም መጻምዲ ካብ 12 ክሳብ 23 ዕድሚኦም ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ገዲፎም ሞይቶም።

ኢርማ በቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ህይወታ ዝሓለፈትላ ቅጽበት ህጻናት ሓቚፋ ከም ዝተረኸበት ኣቶ ማርቲኔዝ ንኒው ዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ዝተኸፈተ ገጽ ድማ "ኣብቲ እተምህረሉ ክፍሊ ንዝነበሩ ህጻናት ክትከላኸል ንባዕላ መስዋእቲ ኮይና"ን "ጅግና ነይራን" ክብል ጽሒፉ።

ጆን ኢርማን
መግለጺ ስእሊ, ጆን ኢርማን