መጥቃዕቲ ቴክሳስ፡ ኣብ ጽባሕ መጥቃዕቲ ክትዕ ዝለዓሎ ዘሎ መሰል ዋንነት መሳርሒታት ኲናት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ትማሊ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ፡ 19 ህጻናትን 2 ዓበይትን ዝተቐተሉሉ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ መሳርሒ ኲናት ቁጽጽር ሕጊ ይውጻእ ኣይውጻእ ዝብል ክርክር መሊሱ ኣበራቢሩዎ ኣሎ።
እንተኾነ እዚ ክትዕ ዝረብሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይመስልን። እቲ ክርክር ፖለቲካውን ባህላውን ፍልልያት ዝማዕበልሉ ብምዃኑ እውን ዝረብሕ ለውጢ ክርከቦ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ኣመሪካ ኣጽዋር ኲናት ምውናን ልሙድ ነገር እዩ። ከም ካልኦት ሃገራት ፍሉይ ነገር ወይ ዘፍርሕ ነገር ተገይሩ ኣይውሰድን - ኣካል መዓልታዊ ህይወት እዩ።
ኣስታት 80 ሚልዮን ዝኾኑ ኣመሪካውያን ወነንቲ መሳርሒታት ኲናት ፡ ነጻነቶምን ንብረቶምን ዝሕልዉሉ መከላኸሊ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ።
ኣብ መገድን መንበሪ ኣባይትን ከይተረፈ ዕጥቂ ሒዞም ዝዘምቱ ጓሓሉ ኣብ ዘለዉዋ ሃገር ፡ ኣጽዋር ኲናት ምሓዝ ኣድላዪ ከም ዝኾነ እዮም ብዙሓት ሰባት ዝኣምኑ።
ኣመሪካ ኣጽዋር ኲናት ብብዝሒ ዝርከበላ ሃገር ብምዃና፡ እዞም መሳርሒታት ኣብ ኢድ ገበነኛታት ከይኣትዉ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን።
በዚ ድማ እቲ ገበነኛ ዘይኮነ ሰብ እውን ኣጽዋር ኲናት ክሕዝ ኣለዎ ዝብል ክትዕ'ዩ ዝለዓል።
ሕጊ ኣመሪካ መሳርሒ ኵናት ናይ ምውናን መሰል ይፈቅድ እዩ።
ኮይኑ ግና እቲ ቅድሚ 250 ዓመት ንዝነበረ ህዝባዊ ዓመጽ ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ሕጊ ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ተቐባልነት ረኺቡ ቀጺሉ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን።
ነጻነትን ንዓርስኻ ናይ ምክልኻል መሰልን ኣመሪካውያን ንዓዶምን ንኽብሮምን ዝርእዩሉ ቀንዲ መነጽር እዩ።
ካብቶም ንዋንነት ኣጽዋር ዝድግፉ፡ 'ናሽናል ራይፍል ኣሶስየሽን' ዝተባህለ ሃብታም ማሕበር ሓደ እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ዜጋታት እውን ይድግፍዎ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንብዙሓት ኣጽዋር ናይ ምውናን መሰል ልክዕ ከም ናይ ምዝራብ ነጻነት ስለ ዝቑጸር፡ ምኽልካል ዋንነት መሳርሒ ኲናት ናይ ሓደ ኣመሪካዊ መሰል ከም ምጥሓስ ድም እዩ ዝረኣይ።
ኮይኑ ግና ኣብ ጽባሕ ከምቲ ኣብ ቴክሳስ ዝተፈጸመ ዓይነት ዘሰምብድ መጥቃዕቲ ናብ ክትዕ ይመጽእ።
ኣብ 2012 ሓደ ዕጡቕ ሳንዲ ሁክ ኣብ ዝተባህለ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ጠኒኑ ብምእታው 20 ህጻናትን 26 ዓበይትን ቀቲሉ።
ሽዑ እውን ከምቲ ናይ ሕዚ እቲ ኣብ ዋንነት ኣጽዋር ሕጊ ክወጽእ ዝጽውዕ ምንቅስቓስ ዓብዪ ደገፍ ረኺቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ኣብ ውሱናት ዓይነታት ኣጽዋር ኲናት ቁጽጽር ንምግባር ዘኽእል ሕጊ ከጽድቕ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ገሊኦም ስጉምቲታት ብገለ ኣባላት ሪፐብሊካን'ኳ ተቐባልነት ረኺቦም እንተነበሩ ካብ ኮንግረስ ሓሊፎም ክወጽኡ ኣይከኣሉን።
ስድራ ግዳያት ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ ነቲ ኤኣር-15 ዝተባህለ ጠበንጃ ዘፍርይ ትካል ኣብ 2012 ዝኸሰስዎ ኮይኖም፡ ነቶም 9 ስድራ ግዳያት 73 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍሎም ሎምዘበን ተሰማሚዖ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተኾነ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣመሪካውያን በቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብመሳርሒታት ኲናት ዝፍጸም መጥቃዕቲታት የማርሩ ኣለው።
ኣብ 2020 ልዕሊ 4300 ትሕቲ 18 ዓመት ዕድሚኦም ኣመሪካውያን ምስ ኣጽዋር ኲናት ብዝተሓሓዝ ሞይቶም እዮም።
ብተወሳኺ ብመሳርሒታት ኲናት ብዝተበጽሖም መጥቃዕቲ 50 ፖሊስ እውን ሞይቶም።
እንተኾነ ከምቲ ኣብ 1996 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እታ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ናይ ውልቀ ሽጉጥ ዝኸልከለቶ፡ ኣብ ኣመሪካ ክፍጸም ኣይትጸበዩ ይበሃል ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሽጉጥ ንመን ይሸየጠሉ እምበር እቲ መሰል ይከልከል'ዶ ኣይከልከል ዝብል ክትዕ ኣይሕሰብን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







