ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣመሪካዊት ክፍለሃገር ኢንዲያና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ሓቢሮም።
ገለ መሰኻኽር፡ ሓያሎ ጠያይት ክትኮስ ከምዝሰምዑ ክገለጹ እንከለዉ፡ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ ኦቶማቲክ ብረት ዝሓዘ ሰብ ክትኩስ ከምዝራኣየ ተዛሪቡ።
ነቲ ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሰስ ዝተገብረ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸመ ዝንገረሉ ዘሎ ሰብ፡ በይኑ ዝፈጸሞ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ውልቀሰብ ነቶም ግዳያት ድሕሪ ምቕታሉን ምቑሳሉን ንርእሱ ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።
ሓያሎ ካብቶም ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ። ካብን ናብን እቲ ኣብ ጥቓ'ቲ ቦታ ፍጻመ ዝርከብ ዓቢ መዕርፎ ነፈርቲ ዝግበር በረራታት በቲ ኩነታት ኣይተጸልወን ተባሂሉ'ሎ።
"ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብቲ ቦታ ንጡፍ ቶኽሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን'ዮም በጺሖም" ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ጂናእ ኩክ ተዛሪባ።
"ኣብ ውሽጥን ደገን ቦታ ፍጻመ ብዝገበርናዮ ኣፈናዊ ዳህሳስ፡ 8 ናይ ጥይት ህራም ዘለዎም ሰባት ረኺብና። ሸሞንቲኦም ከኣ ከም ዝሞቱ ኣብቲ ቦታ ተረጋጊጹ" ኢላ።
ካብቶም ቁሱላት 4 ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ሓደ ካብኦም ኣዝዩ ዝተሃስየ ምዃኑ'ውን እታ ኣፈኛ ጠቒሳ።
መበገሲ ናይቲ ትማሊ ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን።
ብረትን ጎነጽን ኣመሪካ
እቲ ቅትለት ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ብፈደክስ ዝፍለጥ ትካል'ዩ ተፈጺሙ።
"ድሕነት ካብ ላዕለዎት ቀዳምነታትና'ዩ። ንኹሎም እቶም በቲ ፍጻመ ዝተጸለዉ ምጽንናዕ ንምነየሎም" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግብረመልሲ ሂቡ።
ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ዝኾነ ጀርማያ ሚለር፡ ነቲ ቀታሊ ብዓይኑ ከምዝራኣዮ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
"ሓደ ሰብ፡ ምዕቡል (ሰሚ-ኦቶማቲክ) ብረት ሒዙ፡ ብቓልዕ ይትኩስ ነይሩ። ብኡንብኡ በጥ ኢለን ፈሪሐን" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ቀጻሊ ጃምላዊ ቅትለት ንምግታእ ዘኽእል ምቁጽጻር ብረት ዝምልከት ቀዳማይ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ።
እቲ ዝሃቦ ፕረዚደንታዊ መምርሒ፡ ንገለ ዓይነታት ብረት ዝግድብ፡ ከምኡ'ውን ንድሕረባይታ ወነንቲ ብረት ንምግምጋም ዝግበር ቅጥዕታት ዘትርርን፡ ጎነጽ ንምንካይ ንዞባታት ንምሕጋዝ ዘኽእልን ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ክሳብ ሕጂ ጥራይ፡ ኣስታት 12,395 ሰባት ብጥይት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 147 ካብኦም ኣብ ናይ ጅምላ መጥቃዕትታት ዝተቐትሉ'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ 43,549 ብተመሳሳሊ መንገዲ ክቕተሉ እንከለዉ፡ 610 ካብኦም ኣብ ናይ ጅምላ መጥቃዕቲ'ዮም ሂወቶም ስኢኖም።
ብኣባላት ፖሊስ ዝፍጸሙ ቅትለታት ጸለምቲ ኣመሪካውያን'ውን ኣብታ ሃገር ህዝባዊ ናዕብን ቁጠዐን ፈጢሮም ምህላዎም ይፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







