ኣመሪካ፡ ኣብ ኮሎራዶ ሓደ ዕጡቕ ፖሊስ ዝርከቦም 10 ሰባት ቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Chet Strange
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍለ ሃገር ኮሎራዶ፡ ሓደ ዕጡቕ፡ ፖሊስ ዝርከቦም 10 ሰባት ብጥይት ከምዝቐተለ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ነቲ ኣብ ከተማ ቡልደር ኣብ ሓደ ዓቢ ዱኳን ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ፡ ብጥይት ተሃሪሙ ብፖሊስ ተታሒዙ ካብቲ ድኳን ክወጽእ ተራእዩ።
እቲ ቅትለት እናተኻየደ እንከሎ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ብቐጥታ ኣብ ዩትዩብ ይመሓላለፍ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ፡ ናብቲ ዕሙር ዱኳን ብምእታው ሰባት ብኣልማም ክቐትል ከምዝጀመረ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ቅትለት ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ድሕሪ 20 ደቃይቕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ቦልደር፡ ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ሰባት ይቐትል ምህላዉ ሓቢሩ።
ድሕሪ ክልተ ሰዓታት'ውን ብተመሳሳሊ ሰባት ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ቅትለት ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ከይዝርግሑ ፖሊስ ኣጠንቂቑ።
እንተኾነ፡ ብገለ ሰባት ዝተፈነወ ኣሳእልን ተንቀሳቓሲ ምስልን ግዳያት ኣብ ውሽጥን ኣፍደገን እቲ ዱኳን ወዲቖም እንከለዉ የርኢ።
ሓደ ብካሜራ እናሰኣለ ዝዛርብ ዝነበረ ሰብ "እንታይ የጋጥም ከምዘሎ ዋላ ሓንቲ ኣይፈለጥኩን፡ ድምጺ ቶኵሲ ይሰምዕ ኣለኹ፡ ሓደ ሰብ ሰባት ይቐትል ኣሎ" ክብል እንከሎ ይስማዕ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ነቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ ውልቀ ሰብ ካብቲ ከባቢ ክሃድም እንከሎ ካሜርኡ ስለዘየጥፍኣ፡ ኣብቲ ዝዘርግሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድምጺ ቶኵሲ ይስማይ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ኮሎራዶ ጃረድ ፖሊስ፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዝን ብምግላጽ ንጠንቂ እቲ ቅትለት ይምርምርዎ ምህላዎም ብትዊተር ገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ቡልደር ዝተፈጸመ ቅትለት ንፕረዚነደት ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ መብርሂ ከምዝተውሃቦ'ውን ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ኣብቲ ድኳን ዝተቐተለ ፖሊስ ወዲ 51 ዓመት ኮይኑ ካብ 2010 ጀሚሩ ፖሊስ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ከምዝኾነ ፖሊስ ከተማ ቡልደር ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







