ቱርኪ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን እተማዕብሎ ዘላ ፖለቲካዊ ርክባት እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA EMBASSY ANKARA/FB
ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኰነን፡ ምስ ናይ ቱርኪ ወጻኢ ሚኒስተር ሜቭሉት ካቩሶግሉ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዕዉት ምንባሩ ኣሚቱ ነይሩ።
ኣብ ቱርኪ ዝመደበሩ ኣናዶሉ ኤጀንሲ ከም ዝበሎ ገለ ካብ'ቶም እተመያየጡሎም ዛዕባታት ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ-ዶብን ጸጥታ ዘሐይሉ ርክባትን ነይሮም።
ርክብ ኢትዮጵያን ቱርክን ንነዊሕ እዋን ማለት ን125 ዓመታት ዝጸንሐ ዝምድና'ዩ።
ብርእይቶ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ መንገዲ ስትራተጂካዊ ምዃኑ ይሕብሩ።
ብሸነኽ ቱርኪ ድማ እቲ ምስ ኣፍሪቃ ብቍጠባን ውትህድርናን ዘስፋሕፋሕ ዘሎ ጽልዋኣ ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመጣጠነ ሓይሊ ከየፍረየ ኣይተርፍን ይብሉ።
ጎኑል ቶል ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ዝርከብ ማእከል ምርምር ቱርኪ (ትካል ማእከላይ ምብራቕ) ከም ዝበሎ፡ "እዚ ርክብ እቲ ቱርኪ ካብ 2015 ጀሚራ እተካይዶ ዝጸንሐት ኣብ ግዳም ጽልዋታታ ናይ ምኽዕባት ፖሊሲ ዝተኣሳሰር'ዩ" ኢሉ።
ቱርክን ኢትዮጵያን
ኢትዮጵያን ቱርክን፡ ልክዕ ከም'ተን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ ነዊሕ ታሪኻውን ባህላውን ርክባት ኣለወን። እቲ ርክብ ብዘመን ደርጊ'ኳ ዛሕቲሉ እንተነበረ፡ ቱርኪ ምስ'ቲ ብኢህአዴግ ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓትን ጽቡቕ ርክብ ጸኒሑዋ'ዩ፣ ከምኡ'ውን ምስዚ ዘሎ ስርዓት።
ይዅን'ምበር እቲ ዝጸንሐ ርክባት ኣብ ቍጠባ ዝተመስረተ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ብመሰረት ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያያ ፕራክ ኣልፕ፡ ወፍሪ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕረ 2.5 ቢልዮን ዶላር 'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, @MFAETHIOPIA
ወግዓዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ቻይና እታ ዝለዓለ ወፈራ ዓለባ ዘለዋ ሃገር'ያ።
ርግጽ'ዩ፡ ኣብ ዓለም ጽልዋ ቻይና እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ'ዩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ቱርኪ ከምዝሕብሮ፡ ትካላት ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕረ 20,000 ሰራሕተኛታት ኣለወን። እዚ ሓደ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ናይ ብሕቲ ወሃብቲ ስራሕ'ዩ።
ኣብ ምኽፋት ሓዲሽ ህንጻ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣንካራ ብመቭሉት ካቩሶግሉ፡ ወጻኢ ሚኒስተር ቱርኪ ኣብ ዘስመዖ መደረ ንኢትዮጵያ ኣንጻር ሽበራ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ብምምጓስ ቱርኪ ሓገዛ ከም እተወፊ ተመባጺዑ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገረት ዝጸንሐ ናይ ቍጠባ ምትእስሳር ብምጥቃስ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ወጻኢ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪ ዘሎዋ ርክብ፡ እንኮላይ ኣብ መዳያት ጸጥታ፡ ከተዕቢ ድሌት ከም ዘሎዋ ሓቢሩ።
ርክባት ቱርኪ ምስ ግብጽን ሱዳንን
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ኣብ ሞንጎ ቱርክን ኢትዮጵያን እናሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጹ።
ምኽንያቱ ድማ ርክባት ግብጽን ቱርክን እናዘሓለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብምኽሳቱ። ኣብ ሞንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክባት፡ ብምኽንያት ፕሮጀክት ህዳሰ ግድብ፡ ኣብ መዋጥር ይርከብ።
"እዘን ክልተ ሃገራት" ይብል ዓብዱልራሕማን ስዒድ፡ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዑል ኣፍልጦ ዘሎዎ ተንታኒ፡ "ብካልእ ጕዳያት ዘሎወን ስትራተጂ ተጻራሪ'ዩ፣ ኣብ ምብራቓዊ መዲተራንያን ዝርከብ ምንጪታት ጋዝ፡ ወይ ከኣ ብሊብያ ኰነ ሱዳን ዘለዎን መርገጺታት ኣይግድን'ዩ"
ዓብደልራሕማን ከም ዝብሎ መንግስቲ ኣቢዩ ኣሕመድ ምስ ቱርኪ ዘሎዎ ርክብ ጽልዋ ኣሎዎ፣ ኣብ ልዕሊ ርክብ ቱርክን ሱዳንን ብዘርኢ ጕዳይ።
ቱርኪ ምስቲ ናይ ቀደም መንግስቲ ሱዳን - ብዑመር ኣል-በሺር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ - ዝነበራ ርክብ ክሳብ ሓደ ደሴት ሱዳን ብውዕል ምክራይ በጺሓ ነይራ'ያ። ኣብቲ ዞባ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓ ዘሎዎ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ደሴት ሱኣኪም።
"እዚ ዘሎ ስርዓት ሱዳን ምስ ግብጺ ዘሎዎ ርክባቱ እናተመሓየሸ ይኸይድ ኣሎ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ። ክልቲአን ሃገራት ምስ ቱርኪ ኣይሰማምዓን''የን።
"ቱርኪ በቲ ምስ ግብጺ ከምኡ'ውን ብመጠኑ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝነበራ ጽልዋ ኣጥፊኣቶ'ያ ክበሃል ይከኣል" ይብል ዓብዱራሕማን።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኪል ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ መምህር ሕጊ ኣዎል ዓሎ፡ "ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘሎዋ ጽልዋ ክህነጽ ይኽእል'ዩ" ብምባል ይምጕት።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንምንታይ ሕጂ?
ኣብዚ እዋን'ዚ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተኣሊኻ ትርከብ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ፡ ብዶብ ዝተፈጥረ ባእሲ፡ ምፍሕፋሕ ተጸሚዳ ትርከብ።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣፈኛ ወጻኢ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ፡ "ሓደ ሳልሳይ ኣካል" ንሱዳን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት - ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ትግራይ - ንኽትብለጸሉ ዝደፋፍኣ ሓይሊ ኣሎ፣ ኣብ ንሕንሕ ዝርከብ ሰፊሕ ኣብ ዶብ ዝርከብ መሬት ኢትዮጵያ ንኽትጎብጥ "ይብል።
"እዚ ብወትሃደራዊ ክንፊ ስርዓት ሱዳን ጥሩምባ ዝንፍሓሉ ዘሎ ጐነጽ ብዋጋ ህዝቢ ሱዳን ንጥቕሚ ሳልሳይ ኣካል ምጥላዕ'ዩ" ይብል ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኢትዮጵያ።
ብኻልእ ሸነኽ ሱዳን፡ ንኤርትራ፡ ኣብ ጐኒ ወተሃደራት ፈደራል ኢትዮጵያ ብምስላፋ ትኸስስ። ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።
ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ኣብቲ ዞባ ብምልኡ ንከየስፋሕፍሕ ሻቕሎት ኣሎዎም።
ውጽኢቱ ናይቲ ዉግኣ ብሱዳን ከይተወሰነ ኣይትርፍን ዝብል ግምት ኣሎዎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሮም ዘሎዉ በብዓይነቶም ብድሆታት ዝተፈላለዩ ኣህጕራውያን ተዋሳእቲ ዓዲሙ ይርከብ። ኢትዮጵያ ካብዚ መዋጥሮ ክትወጽእ እንድሕሪ ኰይና ሓያል መሻርኽቲ የድልያ።
ኣወል ከም ዝብሎ፡ እቲ ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪ ትፈጥሮ ዘላ ዝምድና ምስቲ "ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ዝዛመዱ'ዮም" ይብል። ብእኡ ምኽንያት ነቲ ዝምድና ስትራተጂካዊ'ዩ ኢሉ ይጽውዖ።
"ቱርክን ግብጽን ክሳብ ክንድዚ ጽቡቕ ርክብ የብለንን፣ ኢትዮጵያ ኸኣ ነዚ ነቓዕ ትጥቀመሉ ኣላ - ንሱዳን ምእንቲ ክትሃሲ" ይብል ኣወል።
ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ብዘርኢ ጕዳይ፡ ዲና ሙፍቲ ንማዕከን ኣናዶሉ (ቱርኪ) ከም ዝበሎ "ቱርኪ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍሕፋሕ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክትዳኒ እንተ ትኽእል ጽቡቕ ነይሩ" ኢሉ።
ወትሃደራዊ ዝምድና ክኸውን'ዶ ይኽእል?
ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ርክብ ናበይ የብል ከምዘሎ ኣይፍለጥን። ኣወል ከም ዝብሎ እቲ ርክብ "ናይ እንካን ሃባን" ኢዩ ዝመስል - ቱርኪ ምስ ሱዳን ዘሎዋ ርክብ ዝምርኰስ ይመስል፣ ግን ዘተኣማምን ኣይኮነን ይብል።
ብኣንጻሩ፡ ዓብዱልራሕማን ከም ዝብሎ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላውን ምስ ሱዳን ዘሎ ምስሕሓብን እቲ ርክባት ኢትዮጵያን ቱርክን ናብ ወትሃደራዊ ርክብ ገጹ ከይከደ ኣይተርፍን ኢሉ ይምጕት።
"ቱርኪ ካብ ኢትዮጵያ ኣዝያ ርሕቕቲ ኣይኰነትን፣ ኣብ ሞቓድሾ - ርእሲ ከተማ ሶማል - ድሮ መዓስከር ኣሎዋ።
"ቱርኪ ሓያል ወትሃደራዊ ዓቕሚ ኣሎዋ - ብናይ ድሮን ተክኖሎጂ (ዕንዝራዊ መሳርያ) ሰጒማ'ያ" ይብል ዓብዱልራሕማን፣ ቱርኪ ኣብ ዉግኣ ኣርመንያን ኣዘርባጃን ዘዋፈረቶም ዕንዝራዊ ኣጽዋራት ከም ኣብነት ብምጥቃስ።
"ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ዓቕሚ ቱርኪ የገድሳ'ዩ" ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







