ዳውንት ራይት፡ ኣባል ፖሊስ ነበር ኪም ፖተር ብቕትለት ክሲ ተመስሪትዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሚነሶታ ንሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ መራሕ መኪና ብጥይት ዝቐተለት ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ነበር ብኻልኣይ ደረጃ ቅትለት-ሰብ ክሲ ከም ዝተመስረታ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ኪም ፖተር ድሕሪ እቲ ፍጻመ ተኣሲራ እኳ እንተነበረት: ጸኒሓ ግን ብ100 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ተፈቲሓ እያ።
ንሳ ነቲ ኤለክትሪካዊ ነዝሪ ዝገብር መሳርሒ ክተውጽእ ክትብል ብጌባ ሽጉጣ ከምዝመዘዘት ዝገልጽ ፖሊስ ንዳውንት ራይት ብወዝቢ ከም ዝቐተለቶ ሓቢሩ።
ጠበቓ ስድራቤት ዳውንት ራይት ዝኾነ ቤን ክራምፕ ብዛዕባ እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ቅትለት "ሕሉን፡ ብደይመደይ ዝተገብረን ዘይሕጋዊ ምጥቃም ሓይልን" እዩ ኢሉ።


ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባብን ኪም ፖተርን ካብ መዝነቶም ክወርዱ እንከለው፤ ኣብ ብሩክሊን ሴንተር ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ጎንጺ ኣበጊሱ። ብረቡዕ'ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንሕጊ እቶእቶ ብምጥሓስ ኣብ ከባቢ መደበር ፖሊስ ተቓውሞታቶም ኣስሚዖም።
ሰልፈኛታት ናብ ፖሊስ ጠራሙስን ካልእ ነገራትን ክድርብዩ እንከለው፡ ፖሊስ ብወገኑ ናይ ድምጺ ቦምባን ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝነጸጉሎም ተፈሊጡ።
ሚኒያፕልስ መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ንጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ኣባል ፖሊስ ነበር ኣብ ምፍጻም ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Katie Wright
ቤት ጽሕፈት ምእሳር ገበነኛታት ሚኒያፕልስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኪም ፖተር ረቡዕ ንጉሆ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ኣፍሊጡ። ሓሙስ ናብ ቤትፍርዲ ክትቀርብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ፡ ክሳዕ 10 ዓመት ማእሰርትን 20 ሽሕ ዶላር መቕጻዕትን ከስዕብ ዝኽእል እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኪም ፖተር ኣብ ተግባራት ሸለልትነት ከም ዝነበራን ጠገለ ዘይብሉ ስጉምቲ ከም ዝወሰደትን ከርእዩ ከም ዝግባእ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ከንቲባ ብሩክሊን ሴንተር ማይክ ኤልዮት ሰልፈኛታት ብሰላማዊ መገዲ ድምጾም ከስምዑ ጸዊዑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







