ዳውንት ራይት፡ ኣባል ፖሊስ ነበር ኪም ፖተር ብቕትለት ክሲ ተመስሪትዋ

ኪሞ ፖተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኪሞ ፖተር ብሰሉስ ስርሓ ካብ መዝነታ ተኣልያ

ኣብ ሚነሶታ ንሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ መራሕ መኪና ብጥይት ዝቐተለት ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ነበር ብኻልኣይ ደረጃ ቅትለት-ሰብ ክሲ ከም ዝተመስረታ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ኪም ፖተር ድሕሪ እቲ ፍጻመ ተኣሲራ እኳ እንተነበረት: ጸኒሓ ግን ብ100 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ተፈቲሓ እያ።

ንሳ ነቲ ኤለክትሪካዊ ነዝሪ ዝገብር መሳርሒ ክተውጽእ ክትብል ብጌባ ሽጉጣ ከምዝመዘዘት ዝገልጽ ፖሊስ ንዳውንት ራይት ብወዝቢ ከም ዝቐተለቶ ሓቢሩ።

ጠበቓ ስድራቤት ዳውንት ራይት ዝኾነ ቤን ክራምፕ ብዛዕባ እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ቅትለት "ሕሉን፡ ብደይመደይ ዝተገብረን ዘይሕጋዊ ምጥቃም ሓይልን" እዩ ኢሉ።

2px presentational grey line
2px presentational grey line

ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባብን ኪም ፖተርን ካብ መዝነቶም ክወርዱ እንከለው፤ ኣብ ብሩክሊን ሴንተር ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ጎንጺ ኣበጊሱ። ብረቡዕ'ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንሕጊ እቶእቶ ብምጥሓስ ኣብ ከባቢ መደበር ፖሊስ ተቓውሞታቶም ኣስሚዖም።

ሰልፈኛታት ናብ ፖሊስ ጠራሙስን ካልእ ነገራትን ክድርብዩ እንከለው፡ ፖሊስ ብወገኑ ናይ ድምጺ ቦምባን ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝነጸጉሎም ተፈሊጡ።

ሚኒያፕልስ መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ንጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ኣባል ፖሊስ ነበር ኣብ ምፍጻም ትርከብ።

ዳውንት ራይት

ምንጪ ስእሊ, Katie Wright

መግለጺ ስእሊ, ዳውንት ራይት ሕጊ ትራፊክ ጥሒስካ ብዝብል ደው ከም ዝብል ድሕሪ ምግባር እዩ ብጥይት ተሃሪሙ

ቤት ጽሕፈት ምእሳር ገበነኛታት ሚኒያፕልስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኪም ፖተር ረቡዕ ንጉሆ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ኣፍሊጡ። ሓሙስ ናብ ቤትፍርዲ ክትቀርብ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ፡ ክሳዕ 10 ዓመት ማእሰርትን 20 ሽሕ ዶላር መቕጻዕትን ከስዕብ ዝኽእል እዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኪም ፖተር ኣብ ተግባራት ሸለልትነት ከም ዝነበራን ጠገለ ዘይብሉ ስጉምቲ ከም ዝወሰደትን ከርእዩ ከም ዝግባእ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ከንቲባ ብሩክሊን ሴንተር ማይክ ኤልዮት ሰልፈኛታት ብሰላማዊ መገዲ ድምጾም ከስምዑ ጸዊዑ።