ኣርጀንቲና፡ ኣሰር ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ዝነበረ ዘፍርሕ ፍጥረት ተረኺቡ

ቅድሚ ሚሊዮናት ዓመታት ዝነበረ ዘፍርሕ ፍጥረት

ምንጪ ስእሊ, LEONARDO ORTIZ

ኣብ ኣርጀንቲና፡ ኣሰር ሓደ ክንዲ ኣውቶብስ ዝኸውን ዝተባህለ ዓቢይ ለማምን በራርን ፍጥረት ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ።

ኣሰር እዚ ፍጥረት ዝረኸቡ ሰባት፡ "ናይ ሞት ድራጐን" ክብሉ ሰይሞምዎ ኣለው።

ክንፊ ናይዚ ዘፍርሕ በራሪ ፍጥረት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ትሸዓተ ሜትሮ ኮይኑ፡ ካልኦት እንስሳት ሃዲኑ ይምገብ ነይሩ ይበሃል።

ኣተሓባባሪ እቶም ተመራመርቲ ሊዎናርዶ ኦርቲዝ ቁመቱ ምስ ዘራፍ ዝመዓራረ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ስፍሓት ክንፉ ድማ ልዕሊ ክንግምቶ እንኽእል እዩ ኢሉ።

እዚ ፍጥረት ኣዝዩ ዘፍርሕ መልክዕ ከም ዝነበሮ'ውን ሓቢሩ።

እዚ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ጐቦታት ኣንደስ ን86 ሚልዮን ዓመታት ዝጸንሐ ኣሰር፡ ዳይኖሰር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝነበረ ዘመላኽት እዩ ተባሂሉ።

ስነ-ኣሰረ ህይወት ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ኢርትዝ፡ ሓደ ካብቶም ብ 2012 [ኣ. ኤ.] ኣብ ዝተኻየደ ኵዕታ፡ ኣሰር ለመምቲ ዝረኸበ ተመራማሪ እዩ።

እቲ ተመራማሪ እቲ ፍጥረት 'ታንቶስድራኮን ኣማሩ' ብዝብል ቃል ግሪኽ ክስይሞ እንከሎ፡ እዚ ቃል ሞትን ድራጐንን ዝብል ትርጕም ኣለዎ።

"ከምኡ ኢልካ ክስየም ልክዕ እመስለኒ፤ ናይ ሞት ድራጐን'ዩ" ክብል ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ለማሚ ፍጥረት፡ ኣዕዋፍ ቅድሚ ምፍጣረን ክንፊ ካብ ሞንጐ ዘለዎም ቀዳሞት ፍጥረታት ሓደ ኮይኑ፡ ምብራር ዝጀመረ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

ቅድሚ 170 ሚልዮን ዓመታት ይነብር ነይሩ ዝተባህለን 2.5 ሜትሮ ዝዕቀንን ፍጥረት ብ2017 ተረኺቡ ነይሩ።