ወዲ 12 ዓመት ቖልዓ፡ 60 ሚሊዮን ዓመታት ዝገበረ ዓጽሚ ዳይናሶር ረኺቡ

ናታን ህሩሽኪን ምስ ወላዲ ኣቡኡ ዲዮን ህሩሽኪን

ምንጪ ስእሊ, Nature Conservancy of Canada

ወዲ 12 ዓመት ቖልዓ'ዩ። ቅድሚ 69 ሚሊዮን ዓመታት ዝነበረ ዓጽሚ ዳይናሰር ምርካቡ ኣዘራራቢ ገይሩዎ'ሎ።

እዚ ጀማሪ በዓል ሞያ ስነ ኣሰር ህይወት ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ካናዳ ኣዕጽምቲ ኣብ ዝበዝሖ ክፋል ኣልቤርታ ምስ ወላዲ ኣቡኡ ይሓኩር ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ ከውሒ ፈንቂሉ ዝወጽአ ዓጽሚ ርእዩ። እቲ ዓጽሚ ፍሒርካ ንምውጻእ ዝግበር ዝነበረ ስራሕቲ ትማሊ ተዛዚሙ ኣሎ።

እዚ ናታን ህሩሽኪን ዝተባህለ ቖልዓ ግን ፈለማ ኣዒንቱ ኣብቲ ኣዕጽምቲ ክዓርፋ ከለዋ፡ "ዝዛረቦ ኣይነበረንን" ኢሉ።

"ኣይተደነቕኩን፤ ኣይሰንበድኩን'ውን። ግን ድማ ዓጽሚ ዳይናሶር ምርካበይ ኣሰንቢዱኒ'ዩ" ይብል።

ናታን፡ ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመት እናሃለወ'ዩ ብዛዕባ ዳይኖሰራት ንክፈልጥ ድልየት ሓዲሩዎ።

ብተደጋጋሚ ድማ ምስ ወላዲ ኣቡኡ ብምዃን ናብቲ ኣብ ኣልቤርታን ዝርከብ ንሓለዋ ተፈጥሮ ዝተሓዝአ ቦታ ይመላለስ ነይሩ።

"ኣዕጽምቲ ዳይኖሰራት ብኸመይ ካብ ናትና ዝተፈለዩ ዓበይቲ ኮይኖምን ናብ ጠንካራ ከውሒ ይልወጡን ዝብል ኩል ግዜ የግርመለይ'ዩ" ይብል።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ምስ ኣቡኡ ኮይኑ ካብ ሓደ ከውሒ ዝወድቑ ንኣሽቱ ቑርጽራጽ ቅሪተ ኣካል ረኺቦም እዮም።

በዚ ምኽንያት፡ ናታን ኣብዚ ዓመት ስርሐይ ኢሉ ክእልሽ ከም ዘለዎ ወሲኑ።

ህጻን ናታን ዝረኸቦ ፈላማይ ዓጽሚ

ምንጪ ስእሊ, Nature Conservancy of Canada

"ካብ እምኒ ዝተሰርሑ ኣዕጽምቲ'ዮም ዝመስሉ" ይብል ኣቡኡ ዲዮን ህሩሽኪን።

ኣብ ባድላንድስ ብርክት ዝበሉ ቅሪተ ኣካል ዝርከብሉ ሕዙእ ቦታ'ዩ።

ኣብዚ ቦታ ኣልቤርቶሳውረስ ዝተባህለ ዳይናሶር ኣብ መወዳእታ 1800 ብጆሴፍ ታይረል ተረኺቡ እዩ።

እቲ ናታን ምስ ወላዲ ኣቡኡ ብእግሪ ዝጉዓዘሉ ዝነበረ ከባቢ ግን ቅድም ኢሉ ዝኾነ ዓይነት ቅሪተ ኣካል ተረኺብሉ ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ቤተ መዘክር ሮያል ቲለር ካብ በዓል ናታን ሓበሬታ ምስ በጽሖ ሰብ ሞያ ናብቲ ከባቢ ልኢኩ ከጣልል ፈቲኑ።

ሽዑ፡ ካብ 30 ክሳብ 50 ዝኾኑ ናይ ሓደ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝግመት ንኡሽቶ ዓሌት ሃድሮሶር ዝብሃሉ ዳይናሶር ኣዕጽምቲ ረኺቦም።

"ኣብ ውሽጢ ኣልቤርታ እንታይ ዓይነት ዳይኖሶር ወይ እንስሳት ይነብሩ ከም ዝነበሮ እንፈልጦ ውሱን ስለ ዝኾነ እዚ ንኡሽቶ ሃድሮሶር ምርካቡ ዓብዪ ነገር'ዩ። ናታንን ዲዮንን ዝረኸቡዎ ዓጽሚ ብዛዕባ ፍልቀት ዳይኖሶር ዘለና ናይ ፍልጠት ክፍተት ክመልኣልና እዩ" ክብል ተቖጻጻሪ ፓላኦ- ኢኮሎጂ ቤተ መዘክር ሮያል ቲለር ፍራንሲዮ ቴሪየን ገሊጹ።