ማላዊ፡ ንሓደ ኣልቢኖ ዝቐተሉ ሰባት 155 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማላዊ ብቕትለት ሓደ 'ኣልቢኖ' ዝተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት ብማእሰርቲ 155 ዓመታት ክቕጽዑ ፈሪዱ።
እዞም ወዲ 44: 45ን 71 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ'ዚ ዓመት ንወዲ 23 ዓመት ኣልቢኖ (ቈርበቱ፡ ዓይኑን ጸጉሩን ዝበሓየ ሰብ) ከም ዝቐተሉ ድሕሪ ምእማኖም'ዮም ገበነኛ ተባሂሎም።
ካብኣቶም እቲ ሓደ፡ ኣኮ እቲ ግዳይ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ማላዊ 'ኣልቢኒዝም' ዘለዎም ሰባት፡ ዕድልን ጸጋን (ሃብቲ) የምጽኡ'ዮም ብዝብሉ ግጉይ እምነታት ዝቕተሉ ኣልቢኖታት እናበዝሑ ክመጹ ጸኒሖም እዮም።
ካብ 2014 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ 'ኣልቢኖ' ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም ቅትለት፣ ከበድቲ ፈተነታት መጭወይትን ኣካላዊ መጥቃዕትን ዝርከቦም ልዕሊ 170 ጉዳያት ተራእዮም።
ኣብ መጀመርታ ናይ'ዚ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ቀሺ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ፣ ሓደ ኣባል ፖሊስን ሓኪምን ዝተሳተፍሉ ጉዳይ ቕትለት ካልእ ኣልቢኖ ርእዩ ነይሩ። ንሳቶም ብመሸጣ ኣካላት ወዲ ሰብ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም።
እቶም ተኸሰስቲ ምስ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ገበነኛ ዝተባህሉ ናይ መጀመርታ ምርኡያት ሰባት እዮም።
እዚ ዝተዋሃበ ፍርድታት፡ ስርዓት ፍትሒ እታ ሃገር ነቶም ቅትለታትን ግህሰታትን ዝጻወር ከም ዘይኮነ መልእኽቲ ንምሕላፍ ምዃኑ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







