እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀርያ፡ ብሰንኪ ክብሪ ነዳዲ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ደው ክብል እዩ
መንገዲ ኣየራት ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ነዳዲ ዝተገበረ ወሰኽ ዋጋ ብምቅዋም ካብ ሰኑይ ጀሚረን በረራታት ውሽጢ ዓዲ ደው ከብላ እየን፡፡
ማሕበር መገዲ ኣየራት ናይጀርያ (ኣ-ኦ-ኤን) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዋጋ ነዳዲ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ፡፡
‘‘ኣብ ሓጺር ግዘ ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ምግባር ዝኾነ መንገዲ ኣየር ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮነን’’ ኢሉ፡፡
እቲ ናህሪ ዋጋ፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ምውራራ ዘንቀሎ እዩ፡፡
ንትሸዓተ መንገዲ ኣየራት ናይጀርያ ዝሓቖፈ እቲ ማሕበር፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እተን መንገዲ ኣየራት ንወጻኢታት ገለ ኣገልግሎታት ካብ ጁበአን ክሽፍና ከም ዝተገደዳ ይገልጽ፡፡
ኣብታ ሃገር ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ነፈርቲ፡ በረራታት ክደናጎዩን ክስረዙን ጸኒሖም እዮም፡፡
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ድማ ገለ በረራታት ዋገኦም ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ፡፡
ተጓዓዝቲ በቲ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ክዳኸም ዝተገበረ ባጤራ እታ ሃገር፡ ናይራ፡ ክፍሊት ዝፍጽሙ ኮይኖም እተን መገዲ ኣየራት ግና ነዳዲ ብዶላር እየን ዝገዝኣ፡፡
ዋለ'ኳ ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳዲ እንተኾነት፡ ነዳዲ ነፈርቲ ግና ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ወጻኢ እያ እተእቱ፡፡
መንግስቲ ፍታሕ ከምጽእ ሓቲቱ ከም ዘሎ ዝገልጽ ማሕበር መንገዲ ኣየራት ናይጄርያ፡ ወሰኽ ዋጋ በቶም ብዙሕ ጸገም ዘለዎም ተጓዓዝቲ ጥራሕ ክሽፈን ከም ዘይክእል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
ብዛዕባ እቲ ኣድማ፡ ዛጊድ መንግስቲ ናይጀርያ ዝበሎ ነገር የለን፡፡
እቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክካየድ ተተሊሙ ዘሎ ምቁራጽ በረራታት ንውሽጢ ጥራሕ ዝምልከት ከም ዝኾነ እውን መራሒ ሓንቲ መንገዲ ኣየር ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ብሰንኪ ሸፋቱ ኣብ ናይጀርያ ዝፍጽምዎ ምጭዋይ፡ ዓቕሚ ዘለዎም ተጓዓዝቲ ብነፈርቲ ምጉዓዝ እዮም ዝመርጹ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከተማታት ኣቡጃን ካዱናን ኣብ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ዕጡቓት ብውሑዱ 62 ተሳፈርቲ ጨውዮም ከም ዝወሰዱ ዝዝከር እዩ፡፡
ቤከን ኮንሳልቲንግ ዝተባህለ ትካል ሓለዋ ድሕነት ብወገኑ ኣብታ ሃገር ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 3500 ሰባት ብዕጡቓት ከም ዝተቐተሉን ሓያሎ ከም ዝተጨወዩን ኣፍሊጡ፡፡