እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጄሪያ፡ ፕሬዝደንት ይቕሬታ ክሓትት ዝገበረ ምጥፋእ መብራህቲ
ናይጄሪያዊት ጸሓፊት ኣዶቢ ትሪሳ ዋባኒ ኣብ ሃገራ ብዛዕባ ዘሎ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ብኸመይ ከም ዘዘናግዓን ብኸምዚ ዝስዕብ ተዘንቱ።
ብዙሓት ናብ ሃገራት ወጻጺ ከይዶም ዘይፈልጡ ናይጄሪያውያን ቈልዑ፡ ብዛዕባ ሃገራት ምዕራብ ብዝሰምዑዎም ዛንታታት ኣዝዮም ይድንቑ።
ብፍላይ፡ ሰሙን ሙሉእ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት መብራህቲ ጠፊኡ ከም ዘይፈልጥ ክሰምዑ እንከለው ኣዝዩ ይገርሞም።
ብምግራም ከኣ "አሀሀሀ?" ክብሉ ብተደጋጋሚ ሰሚዐ ኣለኹ።
ኣብኡ፡ መግቢ ከተብስል ናብ ክሽነ ከይድኻ ኣቑሑ ክትቐራርብ እንከለኻ ወይ ከመይ ዝበለ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እናርኣኻ እሞ ሸቶ ክቑጽር ኣብ ዝተሃንጠኻሉ: ሃንደበት መብራህቲ ኣይቋረጽን።
ብዛዕባ ውርጪ፣ ናይ ትሕቲ ባይታ ባቡር ኮነ ብዛዕባ በዓል ክልተ ደርቢ ኣውቶብሳት ዝኣመሰሉ ዝንገሩ ዛንታታት ክንዲ እቲ ናይ ቀጻሊ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣየደንቖምን።
ዘየቋርጽ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሓደ ካብ መሰረታውያን ነገራት ናይ ዘመናዊ ኣገባብ ናብራ እኳ እንተኾነ፡ ንፍትውቲ ሃገርና ንዓሰርተታት ዓመታት ብድሆ ኮይንዋ ዘሎ እዩ።
ኣነ ክሳዕ ዝዝከረኒ፡ ኣብዚ እዋን ናይጄርያ እቲ ዝኸበደ ብድሆ ምቁርራጽ ኤለክትሪክ ገጢምዋ ኣሎ።
እዝክር፤ ኣብ 1980ታት ኣብ እዋን ቁልዕነተይ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ ከተማ ኡማሂ ኣብ ዝርከብ ገዛና ምሸት ምስ ስድራይ ኰፍ ክንብል እንከለና፡ እንትርፎ ኣብ ክቢ ጠረጴዛና ከፍ ዝበለት ኩራዝ ዝተረፈ ጸልማት እዩ።
ቴሌቪዥን ጠፊኡ፤ ብሙሉኡ መንደር ግስም ምስ በለ፤ ሽዑ ኩሉ ሰብ ነቲ ጸልማት ዝሰግረሉ መገዲታት ክጣበብ ይጅምር።
ኣብ ገዛና፡ ወትሩ ወለደይ ጽውጽዋይ ወይ ከኣ ናይጀርያ ኣብ ትሕት መግዛእቲ ናይ ዝነበረትሉ እዋን ዛንታታት'ዮም ዝነግሩና፤ መብዛሕትኦም ብደርፊ ዝስነዩ እዮም።
ወለድና ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ኮይኑ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ ኣይነበሮን።
ኡሙጂዝ ትውልዲ ዓዲ ወለደይ እያ፤ ክሳብ መወዳእታ 1970ታት ኣገልግሎት መብራህቲ ኣይነበራን።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓላፊ ኩባኒያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይጄሪያ- ኔፓ: ዝነበረ መሓዝኡ እቲ ከባቢ ኤሌክትሪክ ንክረክብ ሓያል ጽልዋ ከም ዝገበረ ኣቦይ ክዛረብ ይሰምዖ።
ኣብ መንጎ እቶም ኣቦይ ዛንታታት ዝነግረና ዝነበረ እዋንን ሎምን ግና ዓቢይ ፍልልይ ኣሎ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን መብራህቲ ተመሊሳ ክሳብ እትመጽእ፤ ምናልባት ንሓደ፣ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓት ትጽበ።
ምናልባት ኣብቲ ናይ ወረዳ ትራንስፎርመር ከቢድ ጸገም እንተዘይተፈጢሩ፡ ንመዓልትታት ይትረፍ ንሰዓታት'ውን መብራህቲ ሳሕቲ እዩ ዝጠፍእ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ግና፡ ናይጀርያውያን፡ መንግስቲ ንመላእ እታ ሃገር እኹል ኤለክትሪክ ከቕርብ ከምዘይኽእል ክግንዘቡ ጀሚሮም ኣለው።
እቲ ብኣሕጽሮተ ቃል ኔፓ ዝፍለጥ በዓል መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይጄሪያ "Never Expect Power Always" ማለት'ውን "ወትሩ ኤሌክትሪክ ፈጺምኩም ከይትጽበዩ" እናተባህለ ይቕለደሉ።
መንግስቲ ሽም እቲ በዓል መዚ፡ 'ፓወር ሆልዲን ካምፓኒ ኦፍ ናይጀርያ' ኢሉ ምስ ቀየሮ ድማ እቲ ቀልዲ "Problem Has Changed Name" ማለት'ውን "ጸገም ሽሙ ቐይሩ" ወይ "በጃኹም፡ ሕጂ ሽምዓ ሓዙ" ናብ ዝብል ተቐይሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ብዙሓት ብምጥፋእ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተሸገሩ ናይጄውያን መንግስቲ ዘይክኣሎ ጸገም ንክፈትሑ ናይ ባዕሎም መገዲታት ይጥቀሙ።
ገሊኦም፡ ኣብ ድሕሪ ገዝኦም ማይ ንምርካብ ዝሕግዞም ጎዳጉዲ ይኹዕቱ።
ፎቖድኡ ዘለው ብዝተኹዓዓቱ መገዲታት ዝተጸገሙ ሰባት ድማ፡ ኣጸጋሚ መልክኣ ምድሪ ክጻወራ ዝኽእላ ናይ ስፖርት መካይን ይገዝኡ፤ ወይ ክኣ ዝሓልፍሉ መገዲ ንምምችቻዉ ቡልዶዞር ተኻርዮም መገዲ ይጸርጉ።
ካልኦት ድማ፡ ውሕስና ናብ ዘይብለን ዞባታት ክጉዓዙ እንከለው ርስቶምን ከባቢኦምን ዝሕልውሎም ናይ ውልቂ ኣካላት ጸጥታ ይቖጽሩ።
ንመንበሪ ገዝኦም ኮነ ንቤት ጽሕፈቶም ዝኸውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንከይስእኑ ድማ ዓቕሞም ዘፍቀዶ ጀኔሬተራት ይገዝኡ።
እዚአን ብሕሳር ዋጋ ካብ ቻይና ዝመጽኣ ኮይነን፤ ድምጸንን ዘውጽእኦ ትክን ኣዝዩ'ዩ ዝርብሽ። ኣገልግሎት ክህባኻ ነዳዲ ክትገዝኣለን ስለ ዘለካ፡ ብሱሩ'ውን ንተወሳኺ ወጻኢ ዘቃልዓ እየን።
ሃፍታማት ድማ፡ ድምጺ እዘን ጀነሬተራት ክሳብ ክንደይ ይርብሸኻ ብዘየገድስ፡ ገንዘብ ስለ ዘለዎም ዝጠፍኣሉ ሰዓታት ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ጣዕሳ ፕሬዝደንት
እቲ ሕጂ ኣብ ከተማታት ሌጎስን ኣቡጃን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ናይጄሪያ ዘጋጠመ ምጥፋእ ኣገልግሎት መብራህቲ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት ነዳዲ ተወሲኹዎ እተን ከተማታት ንመዓልታት ብጸልማት ተዋሒጠን ኣለዋ።
ፕሬዝደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "በቲ ዝተፈጥረ ጸገም ኣዝየ ይሓዝን" ኢሉ ነይሩ።
ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ነዳዲ ንነጋዶ ክነቅፍ እንከሎ፡ ንምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ቴክኒካዊ ጸገም ክብል'ዩ ገሊጹዎ።
እዚኦም ኣብ ቀረባ ከም ዝፍትሑ ድማ ተመጻቢዑ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ኤሌክትሪክ ዝህባ ማሽናት ባትሪ ወዲአን ጠጠው ኢለን፤ ብዙሓት ክኣ ጀነሬተር ኣለዎም፤ ግን ነዳዲ ክረኽቡ ኣይክአላኡን።
ዋላ'ውን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ጸገም ጊዜያት ዋጋ ወሲኾም ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሸጡ ሰባት ነዳዲ የብሎምን።
እቶም ብዝኾነ ዋጋ ነዳዲ ክዕድጉ ዝኽእሉ ሃፋትም'ውን እዚ ናይ ጸልማት መዓልታት ክሰግሩወን ኣይክኣሉን።
ሕጂ ግን፡ ከምቲ ናይ ቀደም መብራህቲ ክትጠፍእ እንከላ ጽውጽዋያት ንምውጋዕ ድልየት ዘለዎ ዘሎ ኣይመስለንን።