ሃድን ንሰብ ናብ ድሙ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ዝብሉ ናይጀርያውያን

በሊሕ ካራን መጉልሒ ድምጽን ሒዙ ሙሉእ ንሙሉእ ጸሊም ዝተኸድነ ጂበንጋ ኣዴዎይን፡ ናይ ማእከላይ ዘመን ጠንቋሊ፣ ባህላዊ መድሃኒት ዝሸይጥ ወይ ናይ ከተማ ሰባኺ ንምርካብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጄሪያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢባዳን ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ይዘውር ነበረ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንገለ ኣንበብቲ ዘቖጥዑ ትሕዝቶታት ኣለዎ።

እቶም ኣብ ዕዳጋ ግባጊ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ነዚ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ ተበቲኖም።

ጂበንጋ ኣዴዎይን ግን፡ "ጁጁ በልዎ ኣስማት ቩዱ ህላወ መለኮታዊ ሓይሊ ዘረጋገጸ 2.5 ሚሊዮን ናይራ (6000 ዶላር) ክወሃቦ'ዩ" ክብል ብተደጋጋሚ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛን ዮርባን ይዛረብ።

እዚ ወዲ 26 ዓመት ዘይኣማኒ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ኣዝያ ሃይማኖታዊ ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር ንመለኮታዊ ሓይሊታት ወይ እምነታት ብምምጓት ዝፍለጥ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ናይጄሪያ፡ ባህላዊ እምነት ወይ ጁጁ ዝብሉዎም ሽሕር [ኣስማት] ምእማን ብዙሕ እዩ።

እዚ ገሊኦም ምስ ክርስትና ወይ እስልምና ሓዊሱም ዝኣምኑሉ ምዃኑ ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2010 ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ብዙሓት ናይጀርያውያን ኣስማታዊ ሓይሊ ሰባት ናብ ዱሙ ክቕየሩ፣ ካብ መጥቃዕቲ በሊሕ ካራ ዝከላኸል ቆርበት ክህልወካ ይገብር፣ ካብ ዕትሮ ገንዘብ ይወጽእ ኢሎም ይኣምኑ።

ከምዚኦም ዝበሉ እምነታት ኣብቲ ዘይተማህረ ዝብሃል ክፋል ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ሰባት'ውን ዘሎ'ዩ።

ዶክተር ኦላሌይ ካዮዴ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢባዳን መምህር ሃይማኖታት ኣፍሪቃውያን ደቀባት እዩ።

ብሽሑር ገንዘብ ናይ ምስራሕ ስርዓታት ኣምልኾ ክፍሊታት ሰብነት ወዲሰብ ምስ መጋየጺታት ክሕወሱ ምግባር ካብ ዕትሮ ገንዘብ ከም ዝወጽእ ምግባር ብሓቂ ይሰርሕ እዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ይወጽእ እዩ ዝብሃል ገንዘብ "መናፍስት ካብ ባንኪታት ዘውጽኡዎ እዩ" ኢሉ።

ጁዴ ኣካንቢ ድማ መምህር ስነ ሃይማኖት እዩ፤ "ንባዕልኻ ናብ ድሙ ናይ ምቕያር፣ ምጥፋእ ወይ ተመሊስኻ ምምጻእ ብባህላዊ ኣፍሪቃዊ ሃይማኖት ዝክኣሉ ነገራት እዮም" ይብል።

"ዋላ እውን ስነ ሞጎታዊ ኣይምሰል በቲ ብኣፈ ታሪኽ ንሰምዖ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ይክኣሉ እዮም" ኢሉ።

ከምዚኦም ዝበሉ እምነታት፡ ብፍላይ ገለ ክፋል ሰብነት ወዲ ሰብን መጋየጺታትን ኣብ ዕትሮ ገንዘብ ክወጽእ ይገብሩ እዮም ኢልካ ምእማን ኣብ ቀረባ እዋናት ብሰንኩ ዝፍጠሩ ቅትለታት ወዲ ሰብ ክውስኹ ምኽንያት ኮይኖም ኣለው።

በዚ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ኮይነን ኣለዋ።

"መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዝበለ ቕትለት ተዋፊሮም ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ። እዚ ገንዘብ ብሽሑር ክመጽእ ዝክኣል እንተዝኸውን ነይሩ ንዓሰርታት ዓመታት ብዙሓት ካብ ቁጠባዊ ጸገማት ክናገፉ ምርኣና ነይርና" ይብል ኣዴዎይኒ።

ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምዚኦም ዝበሉ ስርዓታት ብተግባር ኣርአዩ ከእምኖ ንዝኽእል ሰብ 2.5 ሚሊዮን ናይራ ንምሃብ ጎስጓስ ይገብር ነይሩ። እዚ ብትዊተር ብዝግበር ምንቅስቓስ ዝእከብ ገንዘብ እዩ።

"እቲ ካራ ድማ ነቶም ኣስማት ከይትውጋእ ይገብር እዩ ንዝብሉ እዩ" ኢሉ።

ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ናይጄሪያ፡ ህላወ ስነ መለኮታዊ ሓይሊ ኣብ ሕቶ ምእታው ነውሪ'ዩ ኢሉ ዝኣምን እዩ።

ከምቲ መንእሰይ ኣዴዎይኒ ኣብ ዕዳጋ ዝገበሮ ብቕሉዕ ንዕኡ ዘለካ ተቓውሞ ምግላጽ ንነብስኻ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ብቐሊሉ ብዕስለ ክቕጥቐጥ ወይ ክእሰር ይኽእል።

ሓደ ኣብቲ ዕዳጋ ካብ ዝነበሩ ሰባት "ዝዛረቦ ዘሎ ኣይፈልጥን፤ ጁጁ ከመይ ከም ዝሰርሕ'ውን ኣይፈልጥን" ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብ ጁብኡ ይከላኸለለይ እዩ ዝበሎ ካብ ንኡሽቶ ቆርበት ዝተሰርሐ ኣስማታዊ ጸላም ክታብ ሒዙ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ኣብቲ እኩብ ህዝቢ ነዚ ኣውጺኡ ከመይ ከም ዝሰርሕ ከርእዮም ኣይደፈረን፤ ዋላ'ውን 6000 ዶላር ዝውህብ እንተኾነ።

እዚ እምነት፡ ጎና ጎኒ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን'ውን ዝኸይድ ስለ ዝኾነ፡ ብርክት ዝበሉ ፓስተራት ኣስማት መርገም ሰይጣን የርሕቕ እዩ እናበሉ ሃፍቲሞምሉን ህቡብነት ኣጥርዮምሉን እዮም።

ይኹን'ምበር ዋላ ሓደ ነቲ መንእሰይ ኣዴዎይኒ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ብተግባር ክምጉት ዝኽኣለ ሰብ የለን።

ዋላ'ውን እቲ ዝዛረቦ ዘሎ እንተዘይተቐበሉዎ ኣብ ቀረባ ብሰንኪ እቲ ገንዘብ ዘርክብ ስነ ስርዓት ጥንቆላ ወይ ኣምልኾ ሽሕር ዝተረኽቡ ኣስክሬናት ግን ዋላ ሓደ ክሓብኦም ኣይክኣለን።

ኣብ ናይጀርያ፡ ሰባት ናይ ሰብነት ኣካላቶም ንሽሕር [ኣስማታዊ] መዓላ ንክውዕል ብዝብል ምቕታል ኣብ መፋርቕ 1990ታት ዝጀመረ ኮይኑ ብ1996 ወዲ 11 ዓመት ቖልዓ ተጨውዩ ተወሲዱ ምስ ተቐትለ ዓበይቲ ዓመጻት ተላዒሎም እዮም።

ሕጂ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰብ ጠፊኡ ምባልን ስእልታት ጥንቆላ ምልጣፍን ብብዝሒ ይርኣይ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግዝኣት ኦጋን ንሓደ ሃፍታም ክኸውን እዩ ብዝብል ኣካላት ሰብነት ወዲ 17 ዓመት ቖልዓ ዝቐተሉ ሰለስተ ሰባት ዓብዪ ተቓውሞ ዘልዓለ ኮይኑ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ኣቕረቦም ከም ዝቐተሉዎ ተኣሚኖም እዮም።

መናእሰይ ቐልጢፎም ሃፋትም ክኸኑ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልሚ እታ ሃገር ከይተረፈ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ማሕበረሰባዊ ጸቕጢ የሕድር ኣሎ ክብሉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዘራረብሉ ኣለው።

እቲ ቕትለታት፡ ሓገግቲ'ውን ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ክካትዑን "ከምዚኦም ዝበሉ ኣምልኾታዊ ስርዓታት ዝፍጸሙ ቕትለታት" ኣመልኪቱ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክድንገግን ገይሮም እዮም።

ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ፊልምታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ምኽንያት ከምዚኦም ዝበሉ ቕትለታት ከም ዝኾኑ ነቒፉ።

ነዚኦም ተሓታቲ መን'ዩ ብዘየገድስ ስርዓት ትምህርቲ ናይጄሪያ ሽሕር ወይ እምነት ስነ መለኮታዊ ሓይሊ ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ ኣብ ምእማን ግን ወዲቑ እዩ ክብል ኣዴዎይን ይካታዕ።

እቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ድማ መታለልቲ ወይ ኣስማት ዝጥቀሙ ዘለው ሰባት ክቃልዑን ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ቕትለት ጠጠው ከብልን ጸቕጢ ከሕድር ተስፋ ይገብር።

"ምኽንያታዊ ንዝኾነ ሰብ ናብ ባናና ወይ መቁር ድንሽ ክቕየር እዩ ኢልካ ምእማን ስነ ሞጎታዊ ኣይኮነን፤ መጨነቒ እዩ" ኢሉ።