እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ስንባደ ዝፈጠረ ምስሊ እንስሳ ዘገዳም
ነበርቲ ናይ ሓንቲ ዓዲ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣንበሳ ከምዝርኣዩን ስግኣት ከምዝሓደሮምን ንሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ይሕብሩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣሻቦም ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ሰለስተ ኣባላት ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ኮይኖም ናብቲ እቲ ኣንበሳ ተራእዩሉ ዝተባህለ ገዛውቲ ቀረቡ።
ኣብታ፡ ኣብ ጥቓ እምባ ኬንያ እትርከብ ቁሸት ኪንያና ዝነብር ሰራሕተኛ"ዩ፡ ኣብ ገዛ ናይቲ ዘስርሖ ሰብ ኣንበሳ ከምዝራኣየ ነቶም ሓለውቲ ሓቢሩ።
ዋና ገዛ፡ ምእንቲ እተን ውልዶ ተኽሊ ከይነቕጻ ብምባል ኣብታ ንእሽቶ ጽላል ናይ ኣቮካዶ ተኽሊ ዝሓዘት ቦርሳ ኣቐሚጣ ነይራ።
እቶም እናሰግኡ ብልዑል ትኩርነት ናብታ ጽላል ዝተጸግዑ ሓለውቲ ዝረኸብዎ ኣንበሳ ግን ካልእ'ዩ ነይሩ- ናይ ኣንበሳ ምስሊ ዘለዎ ናይ ኣስቤዛ ቦርሳ።
ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ሳይረስ ምቢጂወ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝተራእዩ ኣናብስ እንተዘየለዉ፡ ገለ ነበርቲ ግን እንስሳታቶም ከምዝጠፍኣ ክጠርዑ ጸኒሖም'ዮም።
"ነቲ ፍጻመ ብዕቱብነትን ጥንቃቐን ኢና ርኢናዮ። ፈለማ፡ ኩሉ ሰብ ደሓን ምዃኑ ኣረጋጊጽና፡ ድሕሪኡ ሓለዋ እንስሳ ብዝገበርዎ መርመራ፡ ቦርሳ ምዃኑ ተፈሊጡ" ክብል እቲ ፖሊስ ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ተዛሪቡ።
እቶም ሓለውቲ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ዋና ገዛ ገይሻ'ያ ነይራ። ምስ ተመልሰት ግን፡ ኣብ ገዝኣ ኣንበሳ ከምዘሎን፡ ናብቲ መንበሪ ገዝኣ ብኣፍደገ ከይትኣቱን ተነጊሩዋ። እቲ ኩነታት ምስቲ ተኽሊ ኣቮካዶ ዝሓዘ ቦርሳ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ቀልጢፋ ኣይዘከረቶን።
እቲ ቦርሳ፡ ኣብ ትሕቲ መስኮት'ዩ ነይሩ። እቶም ሓለውቲ ርእይ እንተበሉ፡ እቲ ዝተባህለ ኣንበሳ፡ ገጽ እንበር ኣካል ኣይነበሮን- ቦርሳ ኮይኑ ጸኒሑዎም።
ዋላ'ኳ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተነበረ፡ "ህዝቢ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ንምውጋድ ሓበሬታ ምሃቦም" ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ንኢዱ።