እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካዊት ኣደ ወዳ ንምድሓን ምስ ኣንበሳ ከረን ገጢማ
ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንወዲ ሓሙሽተ ዓመት ውላዳ ካብ መጥቃዕቲ ናይ ከረን ኣንበሳ ኣድሒናቶ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ከተማ ካላባሳስ ዘጋጠመ ኮይኑ እቲ ቖልዓ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ እናተጻወተ እንከሎ እዩ እቲ ኣንበሳ ጎቢጥዎ።
እቲ ኣንበሳ ነቲ ህጻን ኣብ ፊት ገዝኦም ኣብ ዝነበረ ሳዕሪ ዝበዝሖ ሜዳ ጎሲሱ ክወስዶ ዝረኣየት ወላዲቱ፡ ናብ ደገ ጎይያ ብምውጻእ እቲ ኣንበሳ ነቲ ህጻን ክሳብ ዝሰዶ በኣእዳዋ እናሃረመት ተቓሊሳቶ።
እቲ ህጻን ኣብ ርእሱን ገረንገረኡን ጉድኣት እኳ እንተበጽሖ፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ሎስኣንጀለስ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከብ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ድሒሮም ነቲ ኣንበሳ ከም ዝረኸብዎን ብጥይት ከም ዝቐተልዎን ተገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ዓሳታትን እንስሳ መሮርን ካፒቴን ፓትሪክ ፎይ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እታ ኣደ "ብሓቂ ንወዳ ኣድሒናቶ'ያ ኢሉ"።
ሓደ ኣባል ክፍሊ እንስሳ መሮር ናብቲ ከባቢ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ናይ ከረን ኣንበሳ ኣብቲ ጫካ ተኾርምዩ ከም ዝረኣየን "ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ስፍራ ብዝነበሮ ቅርበትን ሓፈሻዊ ኩነታቱን" ንሱ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምጥርጣር ከም ዝቐተሎን ሓቢሩ።
ድሒሩ ዝተገበረ ናይ ዲኤንኤ መርመራ'ውን እቲ እንስሳ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ናይ ከረን ኣንበሳታት ኣብ ልዕሊ ሰባት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ኣሜሪካ ሳሕቲ ዝርአ እዩ።
ክኢላታት ግና እቲ ኣንበሳ ብዕድመ ንእሽቶ ከም ዝኾነን፡ ሃድን ጌና ይመሃር ምንባሩን ምግላጾም ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።