እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተስኣነ መድሃኒት ዘተኣላልሽ መተግበሪ
ቤዛዊት ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዲኣ ብሕማም ደም ምርጋእ ዝሳቐያ እየን። ስለ ዝኾነ ድማ ሪቫሮክሳባን ዝበሃል መድሓኒት ከየቋረፃ ክወስዳ ነይርወን፡፡
እቲ መድሃኒት ክውዳእ ክብል ከምቲ ልሙድ ቤዛዊት ክትገዝእ ትወፅእ። ካልእ ግዘ ብቐሊሉ ትረኽቦ ዝነበረት መድሓኒት ግን ኣሰሩ የለን።
ኣብ ከምዚ ቦታ ኣሎ፤ ኣብቲ ይርከብ እዩ እንተበልዋ እውን ወይከ። ቀይሕ መስቀል ኪዲ ተባሂላ ኣብኡ እውን የለን።
ኣብ ከነማ ተሰሊፋ እውን ኣይረኸበትን። ጕሓት ወፂኣ ምሸት ተመሊሳ፤ እቲ መድሓኒት ግን ኣይተረኽበን። ብደላላ እንተፈተነት እውን ኣይተሳኽዐን።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድ ኣሸጊራ ከይተልእኽ ድማ መድሃኒት ናብ ሃገር ንምእታው ሕልኽልኽ ዝበለ እዩ።
ድሓር ግና ብሰባሰብ ካብ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ እትመፅእ ሰበይቲ ሒዛትላ ምስ መጽአት ህይወት ኣድኣ ክተትርፍ ክኢላ።
ዝጠፍኡ መድሓኒታት
ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ [ዶላር] ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ መድሓታት ክጠፍኡ ጀሚሮም ኣለዉ።
እቶም ዝተስኣኑ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ዘለዉ እውን ኣበይ ከም ዝርከቡ ምፍላጥ ግዘን ጉልበትን ይሓትት እዩ።
እቲ ትደልይዎ መድሓኒት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ኣሽሓት ፋርማሲታት ኣብ ሓዲኡ ኰፍ ኢሉ ይህሉ። ግን ኣብ ኩለን ፋርማሲ ዘይርካ ከመይ ገይርካ ይክኣል?
ካብዚ ፀገም ተበጊሱ ሓደ ትካል ጥዕና ፍታሕ ክረክብ ፈተነ ጀሚሩ።
መድሓኒታት ደልዩ ዝረክብ ዌብሳይት ድማ ምሂዙ። እቲ ዌብሳይት መተግበሪ ሞባይል ንምስራሕ መበገሲ ኮይኑ።
እቲ መተግበሪ ሞባይል ድማ ማእከል ስልኪ ኣስዒቡ።
መድሓኒታት ኣብ ሓደ ለቖታ ገይርና ህዝቢ ካብ ገልታዕታዕ ዘይነድሕን ዝብል እዚ ትካል ጥዕና መን እዩ?
ዝርዝር መድሓኒታት ኣብ ስልኪ
‹‹ጤናዎ›› መተግበሪ ሞባይል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ኣብ ሸራተን አዲስ ተመሪቑ፡፡
እቲ መተግበሪ ዝፈጠረ ትካል ኬ.ኤም.ኤስ ሄልዝ ትሬዲንግ ይበሃል፡፡ ወነንቲ ብርኪ [ኣክሲዮን] ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካናዳ፣ እንግሊዝን አሜሪካን ዝርከቡ ትውልደ ኢትዮያዊያን እዮም፡፡
ነቲ ሓሳብ ዘመንጨወን መስራቲ እቲ ትካልን ዶ/ር ሲሳይ ኣበበ "ተሓከምቲ ተመሊሶም መፂኦም ዝኣዘዝኩሎም መድሓኒት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ይነግሩኒ ነይሮም" ይብል፡፡
እዚ ኩነታት ክደጋገሞ እንተሎ እዚ መፍትሒ ዝበሎ ሓሳብ ክመጽኣሉ መበገሲ ኮይኑ።
ንምዃኑ እቲ መተግበሪ ስርሑ እንታይ እዩ?
ብሓፂሩ ዓማዊል ዝደልይዎ መድሃኒት ኣበይ ከም ዝርከብ ይጥቁም።
እቲ መተግበሪ ኣሰራርሕኡ ከም ኡበርን ራይድን ዝኣመሰሉ ናይ ታክሲ መተግበሪታት ዝመሳሰል እዩ።
ነቲ ዓሚል ፈለማ ኣብ ውሽጢ 500 ሜትሮ ራዲየስ ዝረከቡ ቤት መድሓኒታት የርእዮ።
እታ መድሓኒት ዝደለየት ኣብ ዘላቶ ኮይና ነቲ መተግበሪ ተጠቒማ ኣብቶም ቤት መድሓኒታት ዝርከቡ ዝርዝር መድሓኒታት እናረኣየት እትደልዮ መድሓኒት ክትመርፅ የኽእላ።
ዝደለየቶ መድሓኒት እንተረኺባ ድማ ዋጋ ክተወዳድርርን ከይዳ ዝደለየቶ ክትዕድግን ትኽእል።
ኣሰራርሓ "ጤናዎ መተግበሪ ቴሌፎን" ከምዚ እዩ፡፡ "ጉልበትን ግዘን ተገልገልቲ ከይባኽን ምግባር ክኣ ቀንዲ ድልየትና'ዩ" ይብል ዶ/ር ሲሳይ ኣበበ፡፡
እቲ መተግበሪ ብሞባይል ጥራሕ ዘይኮነስ ብማእከል ስልኪ ቁፅሪ 9456 እውን ኣገልግሎታት 24 ሰዓታት ይህብ።
ሓኻይምን ተሓከምቲን ምርኻብ
እቲ መተግበሪ ቀንዲ ተግባሩ እንታይ ዓይነት መድሓኒት ኣበይ ከም ዝርከብ ሓበሬታ ምሃብ ይኹን እምበር ጎናዊ ኣገልግሎት'ውን ኣለዎ።
ንኣብነት ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ጥዕና ክሕከም ዝደሊ ሰብ ኣበየናይ ትካል ጥዕና መን ዝባሃል ክኢላ ከም ዘሎን መዓስ ከም ዝሰርሕን ሓበሬታ ክረክብ የኽእሎ።
በዚ፡ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ሓኪም ክመርፅን ቆፆሮ ከትሕዝን ይኽእል ማለት እዩ።
ኣብቲ መተግበሪ፡ መንነትን ተሞኩሮን ኣስታት 80 ሓኻይም ልምድን ዝምልከት ሓበሬታ ዘካትት እዩ። እቲ ቁፅሪ እናወሰኸ ከም ዝኸድ ትፅቢት ይግበር።
"ተሓከምቲ ኣየናይ ሓኪም፣ መዓስ፣ ኣበየናይ ክሊኒክ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ምኽሪ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ቆፆሮ እውን ንሕዘሎም ኢና፡፡ ናብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ሪጋ ካብ ምሓዝ፣ ካብ ገልታዕታዐዕ ክድሕኑ ኢና ንፍትን ዘለና" ይብል፡፡
ኣብ ሃገር ዘየለዉ መድሃኒታት ኣለሻ
ቅድም ክብል፡ ኣብ ገለ ሃገራዊ ራድዮ ተረኛታት ኣብያተ መድሃኒት ይንገሩ ነይሮም። ልክዕ ከም ትንበያ ኩነታት ኣየር ማለት እዩ። ሰባት ሃንደበት መድሓኒት እንተደልዩዎም፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ሜላ እዩ ነይሩ።
ሕዚ እዚ ኹሉ ተሪፉ እዩ። ብዝሒ እንዳ መድሃኒት ከም ፍልሖ ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን፡ እቲ ጸገም ግን ኣይነከየን።
ብዙሓት እንዳ መድሃኒት'ምበር ብዙሕ መድሓኒት ምርካብ ኣይተኽኣለን።
ዶ/ር ሲሳይ፡ ትካሉ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ መድሃኒት ካብ ወጻኢ ንምእታው ፍቓድ ከም ዝወሰደ ንቢቢሲ ይዛረብ።
ሕዚ ሰባት ዘይረኽብዎም መድሃኒታት ሓበሬታ ምስ ዝህብዎም፡ ንምምጻእ ኣብ ሙሉእ ምድላው ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ሚኒስትር ጥዕና፡ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኣቶ ገመቺስ መልካሙ፡ እዚ ሓድሽ መተግበሪ ግዘን ጉልበትን ተገልገልቲ ከም ዝንኪ ኣብ እዋን ምረቓ ስነ ስርዓት ተረኺቡ ገሊጹ ነይሩ።
ከም መንግስቲ፡ ኣድላይ ምትሕብባራት ከም ዝገብር'ውን ቃል ኣትዩ።
ዶ/ር ሲሳይ ዛጊድ ጽቡቕ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ከም ዘሎን፡ ባህሪያት እቲ ትካል ድማ ናይ ውልቀ ዘፈር ጥዕናን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ኣጣሚሩ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ማለት፡ ምስ ሓኪም ቆጸሮ ካብ ምሓዝ ጀሚሩ ክሳብ ዋጋ መድሃኒት ምፍላጥ ዘለዎ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ከም ዝኸውን ይትስፈው።
ሕቶ ውሑስነት
ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሽቲ ሓሳባት ይመጽኡ ኣለዉ። እንተኾነ ዘላቕነት የብሎምን፤ ቀልጢፎም እዮም ዝበኑ።
ሓደ ካብቶም ምኽንያታት፡ እቲ ሕብረተሰብ ሓደሽቲ ሓሳባት ንምቕባል ቅሩብ ብዘይምዃኑ እዩ።
በዚ መሰረት፡ 'ጤናዎ' መተግበሪ ክሳብ ክንደይ ክጓዓዝ ይኸውን ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ።
ዶ/ር ሲሳይ ሓደ ካብ ፈተናታት እዚ ምዃኑ ኣስተውዒሉ እዩ።
ናብ ዲጂታል ሄልዝ ዝግበር ስግግር፡ ንቡዙሓት ሰባት ቀሊል ከም ዘይኮነ ስለ ዝተረድኡ፡ ዛጊድ ካብ ተጠቀምቲ ክፍሊት እቲ መተግበሪ ኣይሓተቱን።
" ንግዚኡ ልዕሊ 100 ዝኾነ ትካላት መድሓኒት ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቶም ኣብያተ መድሃኒት፡ ሓድሽ መድሃኒት ከእትዉ እንከለዉ ኾነ መድሓኒት እንትውድኡ እዋናዊ ሓበሬታ በቲ ናትና መስርሕ ኣቢሎም ነቲ ሕብረተሰብ ሓበሬታ የቐብሉ።ካልኦት'ውን ክነእምን ንፍትን ኣለና" ኢሉ ዶ/ር ሲሳይ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 60 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ሞባይል'ኳ እንተሃለው ተበጻሕነት ኢንተርኔት ናይዚ ሲሶ ኣይመልእን።
ርግጽ ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ኣገልግሎታት ናብ ሞባይል ገጾም እናበሉ እዮም።
ዝውውር ገንዘብ ካብ ወረቐት ናብ ሞባይል እናተሰጋገረ እዩ።
ኮይኑ ግና፡ እምነት ህዝቢ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን፤ ግዜ ዝወስድ እዩ።
ዶ/ር ሲሳይም ድማ ነዚ ሓቂ ይቕበሎ። እቲ ናብ ዲጂታል ዝግበር ጉዕዞ ቀሊል ከም ዘይከውንን ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን እዩ ዝኣምን።
እዚ ኣብ ግመት ኣእትዩ እዩ፡ እቲ ትካሉ ንግዚኡ ክፍሊት ንዘይምሕታት ዝወሰነ።
ምስ ጥዕና ዝዛመዱ ሰነዳት ሰባት ኣዝዮም ጥንቃቐ ዝሓቱ ምዃኖም ዶ/ር ሲሳይ ይዛረብ።
ነዚ እዩ ድማ ከምቲ ኣብ ዓውዲ መጓዓዝያ፣ ፋይናንስን ጥዕናን ቀልጢፉ ብዙሕ ርሕቐት ኣይተጉዓዘን።