እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና: ኣዶታት ጸባ ዝልግሳሉ ባንኪ ጸባ ጡብ
ዝሓመሙን ካብ ኣዴታቶም እኹል ጸባ ክረኽቡ ዘይክእሉ ኣብዘይግዚኦም ዝተወለዱ ህጻናትን ሓገዝ ጸባ ጡብ ዘቕርብ ባንኪ ኣብ ዌልስ: ብሪጣንያ ተኸፊቱ፡፡
ሆስፒታላት ዌልስ ካብ ቸስተርን በርሚንግሃምን ኣብ ዝመጽእ ጸባ እየን ተመርኲሰን ጸኒሐን፡፡
ሐዚ ግና ተረፍ ጸባ ጡብ ዘለወን ኣዴታት ኣብቲ ኣብ ስዋንሲ ሲንግልተን ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ክልግሳ ይኽእላ እየን፡፡
ሳራ ኩድ ፡ ወዳ ጃኮብ ሸሞንተ ሰሙን ኣቐዲሙ ምስተወለደ፡ ካብ ኣጥባታ እኹል ጸባ ንምርካብ ተጸጊማ ነይራ፡፡
‘‘ገና ከይሓቖፍክዎ ክንክን ክግበረሉ ብቐጥታ (ናብ ሆስፒታል) ተወሲዱ’’ ትብል እታ ጓል 32 ዓመት ኣዶ፡፡
‘‘ካባይ ስለዝወሰድዎ፡ እቲ ቆልዓ ምሳኻ ኣብዘየለሉ ናይ ባዕልኻ ጸባ ጡብ ክተቕርበሉ ከቢድ ምዃኑ ግልጺ እዩ፡፡’’
ጃኮብ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብውህብቶ ኣብ ዝመጽእ ጸባ እዩ ጽግዕተኛ ኮይኑ ጸኒሑ፤ ኣዲኡ እውን እቲ ጸባ ንዕብየቱ ከምዝሓገዞ እያ እትኣምን፡፡
‘‘ከቢድ ጾር እዩ ካብ ዝባነይ ኣውሪዱለይ፤ ምኽንያቱ ‘ወደይ እኹል ጸባ ይረክብ የለን፤ ኣይክዓብይን እዩ’ ዝብል ጸቕጢ ኣይነበረንን’’ ትብል፡፡
ኣማኻሪ ሕክምና ዕሸላት ጌራይንት ሞሪስ፡ ኣብ ዘይእዋኖም ዝውለዱ ቆልዑ ኣብ እዋኖም ዝተወለዱ ቆልዑ ንዘየጋጥምዎም ሕማማት ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ይገልጽ፡፡
ገሊኦም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ኮይኖም፡ ጸባ ጡብ ኣዶ ግና ነቶም ሕማማት ክጻወሩ ክሕግዞም ይኽእል፡፡
በቲ ዝልገስ ጸባ ነቶም ህይወት ዕሸላት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ክስተታት ምቕናሰ ከምዝተኽኣለ ዝልገጽ ሞሪስ፡ ናይ ህጻናት ብህይወት ናይ ምጽናሕ መጠን ከምዝተመሓየሸ እውን ሓቢሩ፡፡
እቲ ሓድሽ ባንኪ ኣዴታት ዌልስ ጸባ ጡብ ክልግሳ ዘኽእል እዩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ጸባ ጡብ ናብ እንግሊዝ ንምጉዕዓዝ ምቹው መጓዓዝያ ስለዘይነበረ ክልግሳ ኣይክእላን ነይረን፡፡
ክርስቲ ባከራሊ፡ ኣጥቧታ ካብቲ ወዲ 5 ወርሒ ውላዳ ዘድልዮ ንላዕሊ ጸባ እዮም ዘመንጭዉ፡፡ ስለዚ ንካልእ ጸባ ጡብ ዘድልዮ ህጻን ናይ ምልጋስ ሓላፍነት ከምዘለዋ እዩ ዝስመዓ፡፡
በዚ መሰረት ንክትልግስ ተመዝጊባ፡ ደማ እውን ተመርሚራ፡፡
ንኽልተ ኣዋርሕ ነቲ ተረፍ ጸባ ኣብ ጠራሙዝ እናመለአት ኣብ ፍሪጅ እናቐመጠቶ ጸኒሓ፡፡
ወለንተኛታት ድማ ነቲ ጸባ ክዳሎን ምልክት ክግበረሉን ወሲዶምዎ፡፡
ድሕሪኡ ኣብ ረብሓ ክሳብ ዝውዕል ናብ ዝቕመጠሉ ኣብ ሲንግልተን ሆስፒታል ዝርከብ ባንኪ ተወሲዱ፡፡
ወ/ሮ ባከራሊ፡ ወዳ ጸባ ጡብ እንድሕር ደልዩ፡ ክልግሳሉ ዝኽእላ ኣደታት ምህላወን ሕጉስቲ እያ፡፡
ህጻን ጃኮብ ድማ ነቲ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ዝረኸቦ ጸባ ምስጋና ይብጸሓዮ፡ ይጉብዝ ኣሎ፡፡
ኣዲኡ ወ/ሮ ኩድ ድማ ኣጥቧታ ጸባ ብኣግባብ ምምንጫው ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ ስለዝበጸሐ፡ ንባንኪ ጸባ ስዋንሲ ክትልግስ ሓሳብ ኣለዋ፡፡