እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ኣምቡላንስ ዝሰርሕ በዓልሞያ ጥዕና ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕሎኡ ኣካፊሉና ኣሎ
ኣንቶኒ ኣልሞጀራ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ቀዳማይ ረድኤት ንምሃብ ብኣምቡላንስ እናተጓየየ'ዩ ዝሰርሕ። ንሱ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕሎኡ እንታይ ከም ዝመስል ንቢቢሲ ኣካፊሉ ኣሎ።
ዝሓለፈት ሰንበት ኣብ ናይ 17 ዓመታት ናይ ስራሕ ዘመኑ ዝኸፍአት ምንባራ ይዛረብ።
"ጻውዒት በጺሑና ናብ ሓደ ገዛ በጺሕና፤ ሽዑ ንገጸይ መሸፈኒ፡ ጋውንን ጓንትን ተኸዲነ።
ሓደ ሰብኣይ ጸኒሑና። ረስንን ሰዓልን ካብ ዝጅምሮ ሓሙሽተ መዓልትታት ከም ዝገበረ ነጊሮምና። ልቡን ሳንቡኡን ንምሕጋዝ ናይ ሲፒኣር ሓገዝ ጌርናሉ፤ ንምስትንፋስ ምእንቲ ክሕግዞ ቱቦ ብጎረርኡ ኣእቲና።
ህይወቱ ንምድሓን ንከባቢ 30 ደቓይቕ ዝከኣለና እኳ እንተፈተንና ኣይሰለጠናን። መሳርሕተይ ደሓን ምህላዎም ኣረጋጊጸ ናብታ ኣምቡላንስ ተመሊሰ። መሳርሒታትና ኣጸራርየ፤ ንዝቕጽል ጻውዒት ድልው ምህላውና ዝሕብር መልጎም ጠዊቐ ኮፍ በልኩ።
ድሕሪ 20 ደቓይቕ ካልእ ወቕዒ ልቢ ናይ ዘጋጠሞ ኣድራሻ ተሓበረና። እቲ ምልክታት ምስቲ ናይ ዝቐደመ ተመሳሳሊ ነይሩ። ተመሳሳሊ ኣገባብ ተጠቂምና እቲ ውጽኢትውን ተመሳሳሊ ኮይኑ።
ነታ ሞልጎም ጠዊቐ፤ ካልእ ተመሳሳሊ ውጽኢት።
ሕጂ ሰዓት 11፡00 ኮይኑ ኣሎ፤ ሽዱሽተ ናይ ወቕዒ ልቢ ጻውዒት ተቐቢለ ኣለኹ።
ኣብ ንቡር እዋን፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ ወቕዒ ልቢ ጻውዒት ኢና ንቕበል ኔርና።
ምናልባት ሓደ ሓደ እዋን ዝያዳ ከጋጥም ይኽእል እዩ፤ ከምዚ ግና ፈጺሙ ኣጓኒፉኒ ኣይፈልጥን።"