እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣጸያፊ ቪድዮ ዝረኣየ ኣባል ባይቶ ካብ ስርሑ ተኣልዩ
ኣባል ባይቶ ዩናይትድ ኪንግደም ዝኾነ ኔል ፓሪሽ፡ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ኣብ ቴሌፎኑ ኣጸያፊ [ፖርን] ቪድዮ እናርኣየ ተታሒዙ።
ፓሪሽ፡ ብተግባሩ ከም ዝተጥዓሰ ብምግላጽ ብፍቓዱ ካብ ኣባልነቱ ኣግሊሉ ኣሎ።
እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ቴሌቪዥን ቢቢሲ ቀሪቡ "ናይ ዕብዳን ቅጽበት እዩ ነይሩ፤ እንታይ ከም ዝኾንኩ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ንሱ፡ እቲ ቪድዮ ደጋጊሙ ምርኣዩ ኣዘራራቢ ክገብሮ እንከሎ፡ መጀመርታ ካልእ ቁውም ነገር ዘለዎ ድረ ገጽ እናኣለሸ ከም ዝነበረን ብሽም ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል'ዩ ብዝብል ብጌጋ እቲ ናይ ግብረ ጽዩፍ ቪድዮ ዝሓዘ ቪድዮ ከም ዝመጽአ ይዛረብ።
ድሕሪ ግን፡ ብፍላጡ ደጋጊሙ ርእዩዎ። ኣብ ኣኼባ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እናሃለወ እቲ ቪድዮ ይርእዮ ነይሩ።
ብዓርቢ፡ ኣባል ኮንዘርቫቲቭ ሰልፊ ፓሪሽ ካብቲ ባይቶ ክእገድ እንከሎ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት እቲ ባይቶ እቲ ውልቀሰብ ቅድሚ ሕዚ'ውን ናይ ወሲብ ቪድዮ ይርኢ ነይሩ'ዩ ብምባል ምስክርነት ሂበን እየን።
ፓሪሽ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት "እቲ ዝገርም ነገር፡ ኣብቲ ዝኸፈትኩዎ ገጽ ትራክተራት እየ ዝርኢ ነይረ። ካብኡ ተመሳሳሊ ሽም ናብ ዘለዎ ካልእ ድረገጽ ኣትየ ንዝተወሰነ ግዜ ርእየዮ፤ ክገብሮ ኣይምተገብአን። ናተይ ዓብዪ ገበን ንኻልኣይ ግዜ ተመሊሰ ምርኣየይ እዩ" ኢሉ።
"ኣዝዩ ዘሕፍር ጸያፍ ተግባር እየ ፈጺመ። የሕዝን፤ እዚ ውርደት ዕድመ ልክዕ ክኽተለኒ'ዩ" ብምባል ንብዓት ሕንቕንቕ እናበሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፓሪሽ ን12 ዓመታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ዝጸንሐ ፖለቲከኛ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ምስ ታይም መጽሄት ቃለ መጠይቕ ዝገበረት በዓልቲ ቤቱ ነቲ ብዙሕ ነቐፌታ ዝበጽሖ ዘሎ በዓል ቤታ ተኸላኺላ።
"ፍቑር በዓል ቤተይ እዩ፤ ጥዑይ ሰብ እዩ። ናይ ወሲብ ፊልም ብዝርእዩ ሰብኡት ንሓርቕ እንተኾይንና ኣብዚ መሬት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣይክህልዋን" ብምባል እቲ ጉዳይ መዘራረቢ ክኸውን የብሉን ኢላ።
ኒል ፓሪሽ መን'ዩ?
- ወዲ 65 ዓመት ኒል ፓሪሽ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ኣባል ባይቶ'ዩ። ካብ 1999 ክሳብ 2009 ድማ ኣባል ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ደቡብ ምዕራብ ኢንግሊዝ ነይሩ
- ሕርሻ ወለዱ ክናቢ ወዲ 16 ዓመት ኮይኑ ትምህርቲ ኣቋሪጹ፤ ብ2000 ዓ.ም ድማ ኣብ እዋን ፓርላመንታዊ መረጻ ዙምባብወ ተቖጻጻሪ መረጻ ነይሩ
- ብ2016፡ ኢንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንክትወጽእ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ክካየድ እንከሎ ተቓዊሙ
- ኣብ እዋን መንግስቲ ዴቪድ ካሜሩን ንምትእትታው ሕጊ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ'ውን ተቓዊሙ
- ፓሪሽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦይ ክልተ ቈልዑ'ዩ፤ ክልተ ደቂ ደቁ'ውን ኣለውዎ