ኣመሪካ፡ ብጾታዊ ጥቕዓት ዝተኸሰሰ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተሓቲቱ

ኣመሓዳሪ ኒው ዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ምፍጻሙ ብገለልተኛ መርመራ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ፕረዚደንት ባይደን ጸዊዑ፡፡

እቲ ኣመሓዳሪ ናይታ ግዝኣትን ፌደራልን ሕጊ ከም ዝጠሓሰ ዓቃቢት ሕጊ ለቲትያ ጄምስ ምስ ገለጸት ድሕሪ ሰዓታት ፕረዚደንት ባይደን ንተግባር እቲ ኣመሓዳሪ ኾኒኑ።

ኣመሓዳሪ ኩዋሞ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና፡ ንዝኾነ ሰብ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ከም ዘይተንከፈን ኣብ ስርሑ ከም ዝቕጽልን ገሊጹ።

እቲ ካልእ ናይ ገበን ምርመራ ዝግበረሉ ዘሎ ኣመሓዳሪ፡ ብድምጺ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ይኽእል እዩ።

ፕሬዝደንት ባይደን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩዋሞ "ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ዘለዎ ይመስለኒ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "እቲ ናይ ግዝኣት ሓጋጊ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ውሳነ ከሕልፍ ከም ዝኽእል ይርድኣኒ፤ ብርግጽ ኣነ ኣይልጥን፤ ንኹሉ እቲ መረዳእታ ኣየንበብክዎን" ብምባል ተዛሪቡ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ዘቕርብኦ ክሲ እንታይ'ዩ?

  • 11 ደቂ ኣንስትዮ ክሲ ጉድለት ስነ ምግባር የቕርባ
  • ሸሞንተ ከኣ፡ ጸያፍ፣ መናሸዊ ወይ'ውን ወሲባዊ ርኢይቶ ሂቡ ይብላ
  • ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብዘይኣግባብ ተናኺፉና ወይ እንተውሓደ ሓንሳብ ጎቲቱና
  • ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ብዘይፍቓድና ስዒሙና ኢለን

እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ከም ዝፈጸመለን ምስ ከሰሰኦ ዓቃቢ ሕጊ መርመራ ከካይድ ጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድማ መርመርቲ ንመሳርሕቱን ካብተን ጥርዓን ዘቕረባን ሓዊሱ ኣስታት 200 ሰባት ዘዘራረቡ ኮይኖም፡ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰነዳት፣ መልእኽቲታትን ፎቶታትን መርሚሮም እዮም።

ከም ውጽኢቱ ድማ ‘‘ኣመሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ብምፍጻም ናይታ ግዝኣትን ፌደራልን ሕጊ ከም ዝጠሓሰ እቲ ገለልተኛ ምርመራ ደምዲሙ እዩ" ኢላ ዓቃቢት ሕጊ ላቲትያ ጄምስ፡፡

ወሲኻ፡ እቲ ኣመሓዳሪ "ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ድልየት ዘይተመስረተን ምትንኻፋት ፈጺሙን ብዙሓት ጽዩፋት ዘረባታት ተዛሪቡን እዩ" ኢላ።

እቲ ኣመሓዳርን መሳርሕቱን ንሓንቲ ነቲ ኣመሓዳሪ ዝኸሰሰት ሰራሕተኛ ከም ዝተበቀሉዋ እታ ዓቃቢት ሕጊ ዝለጸት ኮይና፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ዝተገታገተን፣ ከም ዝሰዓመን ወይ ኣብ ሰለፉ ኮፍ ክብላ ከም ዝገበረን ገሊጸን፡፡

ሓንቲ ካልእቲ ጡባ ንምሓዝ ከም ዝፈተነን ሓንቲ ተሓጋጋዚቱ ዝነበረት ድማ ምስ ዓበይቲ ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ፍቓደኛ አንተኾይና ከም ዝሓተታን ተዛሪበን፡፡

ኣንድሪው ኩዋሞ ካብ ክሲታት ጾታዊ ጥቕዓት ብተወሳኺ፡ ዘይምቹእ ናይ ስራሕ ከባቢ በምፍጣር እውን ተኸሲሱ እዩ፡፡

ንሱ ግን ነቶም ክሲታት ነጺግዎም፡፡

"ኣነ ወዲ 63 ዓመት እየ፤ ሙሉእ ዕብየተይ ህዝቢ ዝርእዮ እዩ ነይሩ። ኣነ እቲ ዝተባህለ ሰብ ኣይኮንኩን፤ ከምኡ ኮይነ እውን ኣይነበርኩን" ክብል ገሊጹ።