እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድምጻዊ ኣር ኬሊ ንሕልፈት ዘእስሮ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ተረኺብዎ
ውሩይ ኣመሪካዊ ድምጻዊ ኣር ኬሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘለዎ ህቡብነት ተጠቂሙ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንሰትዮን ህጻናትን ጾታዊ ጻመጻት፣ መጭወይትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ኣንስትዮን ክፍጽም ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢልዎ።
እቶም ከሰስቲ ትሸዓተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕተዮን ኮይኖም፡ እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ሽዱሽተ ሳምንታት እዩ ወሲዱ።
ዳያኑ፡ ክልተ መዓልቲ ኣብ መጋባእያ ድሕሪ ምውዓል ኣር ኬሊ ብኹሉ እቲ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ገሊጾም።
እቲ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ብይን መቕጻዕቲ ኣር ኬሊ 4 ግንቦት ከምዝውሃብ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣር ኬሊ፡ ብኹሉ እዚ ቀሪብሉ ዘሎ ገበነኛ ኮይኑ ካብ ተረኸበ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ንሕልፈት ክእሰር ከም ዝኽል ክኢላታት ሕጊ ይጠቅሱ።
ምሉእ ስም ኣር ኬሊ፡ ሮበርት ሲልቨስትር ኬሊ ኮይኑ ዳያኑ፡ ኣር ኬሊ ናይቶም ብዝና ኣር ኬሊ እናተሃራረፉ ደቂ ኣንስትዮ ዘምጽእሉ ኣዝዮም ጨካናት ጉጅለ ላይለዋይ ሓላፊ ከም ዝኾነ'ውን ከረጋግጹ ክኢሎም ኣለዉ።
እቲ 'I Believe I Can Fly' ብእትብል ደርፉ ዝያዳ ዝፍለጥ ኣር ኬሊ፡ ብዘይካ እዚ ልዒሉ ዝተጠቐሰ ገበናት፡ ካብን ናብን ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምስግጋርን ትሕቲ ዕድመ ኣብ ግብረ ጽዩፍ ፊልምታት ከም ዝሰርሑ ኣብ ምግባር'ውን ክሰርሕ ምጽንሑ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ኣር ኬሊ ምስ ናይ ገበነኛታት ጉጅለ'ውን ርክብ ከም ዝነበሮ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ መጋባእያ፡ ናይ ኣር ኬሊ ኣካየድቲ ስራሕ፡ ሓለውኡን ካልኦትን'ውን ኣር ኬሊ ገበናት ኣብ ዝፍጽመሉ ይተሓባበርዎ ምንባሮም ሓቢሩ።
ሓንቲ ቤት ፍረዲ ሶንጃ ኢሉ ዝሰመያ፡ ኣር ኣር ኬሊ ኣሲሩ መድሃኒት ሂቡ ከም ዝዓመጻ እትገልጽ ውልቀሰብ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ጽሑፍ ምስክርነት፡ ንጉዳያ ዓው ኢላ ክትዛረቡ ስለዝጀመረት ካብ ኣር ኣር ኬሊ ብተደጋጋሚ ከበድቲ መጠንቀቕታታት ክበጽሓ ምስ ጀመረ 'ተሓቢኣ' ከም ዘላ ገሊጻ።
ንሳ ብምስዓብ "ካብ ሕጂ ጀሚረ እየ ካብ ፍርሒ ተናጊፈ ሓቀኛ ህይወት ክነብር ክጅምርን ስቓየይ ዝፍወስን" ኢላ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ እተን ግዳያት ናይ ኣር ኣር ኬሊ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ ዝሕየራሉ፡ ብዘይፍቃድ ናይ ኣር ኪሊ ክበልዓ ኮነ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክኸዳ ከም ዘይፍቀደንን፡ ንኣር ኣር ኬሊ 'ዳዲ' ኢለን ክጽውዐኦ ከምዝግደዳን ጠቒሱ።
ንብዙሓት ግዳያት ብምውካል ንጉዳየን ሒዛ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ጠበቓ ግሎርያ ኣለርድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ምስ ጉዳያት ናይ ሕግን ገበናትን ኣብ ዝተሓሓዝ ን47 ዓመታት ሰሪሓ ኣለኹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ተሞክሮይ ኸኣ ብዙሕ ምስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጻት ዝተሓሓዝ ጉዳያት ርእየ እየ፡ እዚ ናይ ኣር ኣር ኬሊ ግን እቲ ዝኸፈአ እዩ" ኢላ።
ድሕሪ እቲ መስርሕ ናይ ቤት ፍርዲ ኣኽባሪት ሕጊ ጃኳሊን ካሱሊስ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ሓያላት ኢና ዝብሉን ከምድላዮም ዝመስሎምን መልእክቲ እዩ ኣሕሊፉ ኢላ።
ንሳ ብምስዓብ "ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ዘንጊ ሕጊ ንገበነኛታት ምርካቡ ኣይተርፎን'ዩ" ኢላ።
ኣር ኣር ኬሊ ቅድሚ 13 ዓመታት እዩ ኣብ ግዝኣት ኢሊኖስ ብትሕቲ ዕድመ ቪድዮ ናይ ግብረ ጽዩፍ ኣስሪሑ ተባሂሉ ክሲ ቀሪብሉ ነይሩ።
ኣብ 2019 እውን ንኣናባበርና ንኽስታትን ኣር ኪሊ ዘቃልዕ ሰነዳዊ ፊልም ተዳልዩ ነይሩ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ እተን ግዳያት፡ ካብተን ንናይ ኣር ኣር ኬሊ ሙዚቃዊ ምርኢት ንኽርእያ ኢለን ዝመጽኣ ተሓርየን ዝንባልኣን ተላልዩ በቶም ንሱ ዘዋፈሮም ሰባት ኣር ኣር ኬሊ ክሕግዘን ከም ዝደሊ ተገሊጽለን ናብ መርበቡ ይኣትዋ ምንባረን እቲ ቤት ፍርዲ ንመሰኻኽር ብምጥቃስ ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣር ኣር ኬሊ ነታ ኣብ ነሓሰ 2001 ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞተት ብስኑዕ ሰነዳት ዝተመርዓዋ ድምጻዊት ኣልያህ ዝምልከት'ውን ዘትዩ ነይሩ።
ኣር ኬሊ፡ ንኣልያህ ጓል 15 እንከላ ልዕሊ ዕድመ ከም ዝኾነት ዝሕብር ስኑዕ ሰነዳት ብምድላው ከም ዝተመርዓዋ ብምግላጽ፡ ብመርዓ ትሕቲ ዕድመ'ውን ክሲ ቀሪብሉ ገበነኛ ምዃኑ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።
ጠበቃ ኣር ኣር ኬሊ፡ ዶቭሬክስ ካኒክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣር ኣር ኬሊ ገበነኛ ክብሃል ትጽቡት ከም ዘይነበሮ ገሊጹ።
ኣር ኬሊ ብዘይካ እዚ ተራእዩ ዘሎ ክስታቱ ኣብ ቺካጎ፣ ኢሊኖስን ኣብ ሚኒሶታን'ውን ምስ ግብረ ጽዩፍ ትሕቲ ዕድመን ምስ ጭውያን ዝተሓሓዝ ካልእ ክሲ ቀሪብዎ ኣሎ።
ክልተ መሻርኽቲ ኣር ኣር ኬሊ ኸኣ፡ ንከሰስቲ ኣር ኣር ኬሊ ኣብ ምፍርራሕን ስቕ ክብላ ኣብ ምግባርን ተዋፊሮም ጸኒሖም ብምባል ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኢሉዎም ኣሎ።