ኣብ ኣመሪካ ቀንዲ ምኽንያት ሞት ህጻናት ጥይት ከምዝኾነ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ

ኣብ 2020 ኣብ ኣመሪካ ጥይት ንሓደጋ መኪና ብምብላጽ ቀንዲ ሞት ህጻናትን ኣፍላ መንእሰያትን ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ፡፡

ካብ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (ሲዲሲ) ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2020 ልዕሊ 4300 ኣመካውያን ህጻናትን ወርጠበታትን ምስ ዝተተኮሰ ጥይት ብዝተሓሓዝ መጉዳእቲ ህይወቶም ስኢኖም እዮም፡፡

ነብሰ-ቅትለት ኣብቲ ቁጽሪ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ግን ዝለዓለ ብጽሒት ሒዙ፡፡

ኣብ ኣመሪካ ብውልቀ ሰባት ዝውነኑ ልዕሊ 390 ሚልዮን ሽጉጣ ኣሎ።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ ክሳብ 19 ኣብ ዘለዉ ሰባት ዝተርኣየ ወሰኽ ሞት፡ ኣካል ናይቲ ኣብ መላእ ኣመሪካ ብ 33.4 ሚኢታዊት ዝወሰኸ ብመሳርሒ ኲናት ዝፍጸም ቅትለት እዩ፡፡

ቅትለት ሰብ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ንኣመሪካውያን መንእሰያት እዩ ዝጎድእ ዘሎ፡፡

ኣብቲ ዝጠቐሰ ዓመት፡ መጠን ብሽጉጥ ዝፍጸም ነብሰ-ቅትለት'ውን ብ 1.1 ሚኢታዊት ወሲኹ እዩ፡፡

ነብሰ-ቅትለት፣ ብፍላጥን ዘይፍላጥን ናይ ካልኦት ሰባት ህይወት ምጥፋእን ሓዊሱ ኣብ ህጻናትን ኣፍላ መንእሰያትን ብ 29.5 ሚኢታዊት ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ዕጽፊ መጠን ናይቲ ካብዚ ክሊ ዕድመ ወጻኢ ዘሎ ማሕበረሰብ እዩ፡፡

ኣብ መንጎ 2019ን 2020ን መጠን ብሽጉጥ ዘጋጥም ሞት ኣብ ኩሉ ጾታን ዓሌትን ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ኣብ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝያዳ ከምዝወሰኸ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ 2020 ኣስታት 3900 ትሕቲ 19 ዕድሚኦም ኣመሪካውያን ብሓደጋ መኪና ክሞቱ እንከለዉ ብዘይተለመደ መልክዕ ካብ ብጥይት ዝሞቱ ኣመሪካውያን ንኢሱ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ 2020 ብ 83.6 ሚኢታዊት ዝወሰኸ መጠን ዓቐን ዝሓለፎ ምጥቃም ዕጸ ፋርስን ምምራዝን እውን ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ቀታሊ እዚ ክሊ ዕድመ ኮይኑ፡፡

ኣብ ኣመሪካ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጀመረሉ መጀመርታ 2020፡ ቁጽሪ ብሽጉጥ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ወሲኹ እዩ፡፡

ነዚ ምኽንያቱ ንጹር ከምዘይኮነ ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ እቲ ለበዳ ክቕንስ እዩ ተባሂሉ ከምዘይሕሰብ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝወጽአ ካልእ መጽናዕቲ ድማ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2021፡ 7.5 ሚልዮን ኣመሪካውያን ንፈለማ እዋን ወነንቲ ሽጉጥ ከምዝኾኑ ገሊጹ ነይሩ፡፡

እዚ ብግዲኡ ሓሙሽተ ሚልዮን ህጻናት ሓዊሱ 11 ሚልዮን ሰባት ንሽጉጥ ተቓላዕቲ ከምዝገበረ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ፡፡