እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገዛእ ርእሱ ብሓዊ ዘቃጸለ ሃገር ኣልቦ መንእሰይ
ወዲ 27 ዓመት ሃማድ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ምቅጻሉ ንመላእ'ታ ሃገር ዘዘራረበን ዘቖጠዐን አኣጋጣሚ ኮይኑ'ሎ።
እታ ንእሽቶ: ብሃብቲ ነዳዲ እትልለ ሃገር: ውልቀሰባት ናብ ከምዚ ዝበለ ዘሕርቕ ኩነታት ኣትዮም ነብሰ ቕትለት ክፍጽሙ ናብ ዘገድድ ደረጃ ከምእተብጽሕ ኣይትግመትን።
ሃማድ ግን ሓደ ካብ ኣባላት ሃገር ኣልቦ ማሕበረሰብ ቢዱን'ዩ።
ቢዱን ዓረብኛ ቃል ኮይኑ "ዘይብሉ/ብዘይገለ" ዝብል ትርጉም ይሕዝ። ቢዱን ምስቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ንከይራኸቡ ብገደባት ዝተሓጸሩ ዜግነት ዘይብሎም ማሕበረሰብ'ዮም።
ዝኾነ ቦታ ወይ ደረጃ ዘይወሃቦም፤ ንትምህርቲ፣ ሕክምናን ስራሕን ዕድል ዘይረኽቡ። ብፍላይ ሃማድን ስድርኡን ብዘሕዝን ኩነታት ብዘይገለ ተስፋ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ እዮም።
'ኩሉ ነገር ዕጽው ኮይንዎ'
ካብ ከተማ ኩዌት 7 ኪሎሜትሮ ጥራሕ ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሱላይቢያ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ማእኸላት ንግድን ዓበይቲ ህንጻታትን እታ ርእሰ ከተማ: ኣዝያ ዝተነጸለት እያ።
10 ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎ ኦማር ምስ ስድርኦም'ዮም ዝነብሩ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ቢዱን ብስፍሓት ዝነብሩሉ ፕሮጀክት መንበሪ ኣባይቲ በዓል 5 ክፍሊ ገዛ ኣለዎም።
ወዲ 33 ዓመት ኦማር ምስቲ ምንኣሱ ዝነበረ ሃማድ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ነይርዎም።
"ኣብ ዓለም እቲ ለጋስ ዝበሃል ሰብ'ዩ፤ ስቕተኛን ወትሩ ፍሽኽታ ዘይፍለዮን" ክብል ንሓዉ ይገልጽ ኦማር።
ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ይኸውን ግን እቲ ምንኣስ ሓዉ ተስፋ ክቖርጽ፤ ገዛ ዓጽዩ ኮፍ ክብል ምጅማሩን ኣሕዋቱ ናብ ደገ ከውጽእዎ ክፍትኑ እንከለዉ ምንጻግን ዝኣመሰሉ ሓደሽቲ ባህርያት ተራእይዎ።
ብሓዘን ዝተሰበረ ኦማር "ኩሉ ነገር ንዕኡ ዕጽው ነይሩ" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።
ጉዳይ ማሕበረሰብ ቢዱን ካብ 1961 ይጅምር። ኣብቲ ሽዑ እዋን እታ ሃገር ካብ ብሪጣኒያ ናጽነታ ክትእውጅ ከላ ኣብ ውሽጢ ዶባት ዝነብሩ ዝነበሩ ስድራ ሕቶ ዜግነት ከየቕረቡ ብምትራፎም ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝርከቡሉ ኩነታት ተቓሊዖም። ብርግጽ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት'ውን ሃገር ዘይብሎም ነበርቲ ከምዘለዉወን'ዩ ዝግለጽ።
ከም ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝበላ ሃገራት'ውን ዜግነት ወይ ሃገር ዘይብሎም ነበርቲ ኣለውወን። መብዛሕቲኦም ከኣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ሰበኽሳግማዊ መነባብሮ ዝነበሮም ዓሌት ዝመጽኡ ኮይኖም ብወግዒ ሃገር ኣብ ዝምስረተሉ እዋን ዜግነት ክወሃቦም ዘይሓተቱ እዮም።
ኣብ ካልኦት ከባብታት እቲ ዞባ ዝነብሩ ድማ ዜግነቶም ምስተሓደጉ ሃገር ኣልቦ ኮይኖም ከምዝተረፉ ይግለጽ። ኣብ ከም ባህሬን ዝበላ ሃገራት ዝነበሩ ዜግነቶም ተሰሪዙ'ዩ።
እቲ ጉዳይ ብፍላይ ኣብ ኩዌት ዝተሓላለኸ ኮይኑ ክቕጽል ከሎ ኣባላት ማሕበረሰብ ቢዱን "ዘይሕጋውያን ነበርቲ" ብዝብል ተነጽሎ ኣጋጢምዎም።
መንግስቲ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ኣብዚ እዋን ካብቶም ልዕሊ 100,000 ነበርቲ እቶም 34,000 ጥራሕ'ዮም ዜግነት ክሓቱ ሕጋውነት ዘለዎም።
መዓልታዊ ብድሆ
ሃማድ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ምስወደአ ናብ መንግስታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ክመሃር ዕድል ኣይረኸበን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣባል ማሕበረሰብ ቢዱን ምዃኑ እዩ። ቤተሰቡ'ውን ከፊሎም ከምህርዎ ዓቕሚ ኣይረኸቡን።
ንሱ ኣቡኡን ኣሕዋቱን መኻይን እናዓደጉን እናሸጡን ብዝረኸብዎ ኣታዊ ከቢድ ናብራ ክመርሑ እናረኣየ'ዩ ዓብዩ። ሓደ ወርሒ መኪና እንተሸይጦም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ፈታኒ ጊዜ ከሕልፉ ይግደዱ።
ሽዑ ህይወቱ በዚ መገዲ ከክቕጽል ከምዘይብሉ ወሲኑ። ሓዉ ከምዝብሎ እንትኾይኑ ሃማድ ናብ ሰራዊት ክጽምበር ሕልሚ ነይርዎ።
ኣብቲ ዝጸበበ ዕድል ኮይኑ ዝከኣሎ ክጽዕር ብምውሳን ድማ ክሳብ'ታ ብፖሊስ ዝተትሓዘላ መዓልቲ ኣብ ጎደናታት ብርጭቕ ['ወተርሚለን'] ይሸይጥ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ናብ ንግዲ ረጋቢት ብምእታው ዝገበሮ ፈተነ'ውን ከሰምረሉ ኣይከኣለን።
ሃማድ ሓንቲ በጊዕ ሰሪቑ ብምሻጡ ሸሞን ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ምስኣሕለፈ ጃዘም ዝተበሃለ ሓዉ ናብ ሞሮኮ ዝኸደሉ ናይ መገሻ ሰነድ ኣዳልዩሉ።
ኦማር ከምዝብሎ ድማ እቲ መገሻ ኣብ ህይወቱ ዋግዋጎ ተስፋ ሒዙ ዝመጽአ ኮይኑ።
"ዓለሙን ህይወቱን ረኺቡ፤ ሕጉስ ነይሩ። ሰለስተ ሰሙን ጥራሕ'ዩ ኣብኡ ጸኒሑ ግን ከኣ ንሰለስተ ዓመታት ኣብኡ እንተዝጸንህ ባህጊ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ዝነበሩ ሓሙሽተ ዓመታት ከኣ ብዛዕባ ናይ ሞሮኮ መገሽኡ እናተዛረበ ኣሕሊፍዎ" ይብል ኦማር።
ዋሕዚ ነብሰ ቕትለት!
ኣብ ቀረባ እዋናት ሃማድ ንኣዲኡ ሓድሽ ህይወት ናይ ምምስራት ድልየት ከምዘለዎ ክነግራ ጀሚሩ ነይሩ። ክረጋጋእን ሓዳርን ክገብርን ድልየቱ ገሊጹላ።
ኮይኑ ግን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ስድርኡ'ውን ተዳኺሙ ብምንባሩ "ፈጣሪ ክምልኦ እዩ" ኢላ ካብ ዝገበረትሉ ንኢሽተይ ሓገዝ ወጻኢ ድላዩ ክትመልኣሉ ኣይከኣለትን።
ነብሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ድልየት ከምዘለዎ ይዛረብ ምንባሩ ዝዝክር ሓዉ ኦማር፤ እንተኾነ እቲ ዘረብኡ ናብ ተግባር ከምዝቕይሩ ክሳብ እታ መዓልቲ ዝጠርጠሮ ሰብ ኣይነበረን።
እታ መዓልቲ ንጉሆ ነይራ። ንነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ። ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ።
ብድሕሪ'ዚ ኩነታት ከኣ ኣባል ባይቶ ዝኾነ ማርዙቕ ኣል-ከሊፋ፤ መንግስቲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ቢዱን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ዝምርምር ኮሚቴ ከቕውም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
"ኣብ ዝተባረኸት ሃገር ኢና ንነብር. . .ሰባት ግን ሕዚ'ውን ብምኽንያት ምኽባድ ናብራን ካልኦት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝተነበሩ ገደባትን ነብሰ ቕትለት ይፍጽሙ ኣለዉ" ይብል እቲ ኣባል ባይቶ።
ተጣባቒ መሰላት ማሕበረሰብ ቢዱን ዓብዱላህ ኣል-ረባህ፡ እቶም ዜግነት ንምሕታት ሕጋውነት ኣለዎም ዝተባሀሉ 34,000 ኣባላት ቢዱን ካልኦት ነዚ ዕድል ዘይረኸቡን ህይወቶም ብኣግባቡ ክመርሑ ዘኽእሎም ሲቪላዊ መሰላቶም ክሕለወሎም ድልየት ኣለዎ።
"ክሳብ ሳልሳይ ወለዶ ንጉዳያቱ ፍታሕ ከይረኸበ ዝመጽእ ማሕበረሰብ እዩ። ክሳብ መዓዝ ክጽበዩ? እዚ ጽልዋ ፈጢሩሎም ኣሎ" እብል ኣል-ረባህ።
ኦማር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጎኒ ሓዉ ክኸውን ይብህግ።
ብዝረኸቦ ኣጋጣምታት ካብ ሱላይቢያ እናወጽአ ነቲ ዘለዎ ጭንቂ ክርስዕ ይፍትን፤ ናብ ጥቓ ባሕሪ እናኸደ'ውን ንበይኑ ኮፍ ክብል ይመርፍ።
ኣብዚ እዋን ግን ነቲ ኣብ ክፍሊ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ክትትል ንዝግበረሉ ሓዉ ሃማድ ብመስኮት ክሪኦ ብምድላይ መዓልታዊ ናብቲ ሆስፒታል ይመላለስ።
ንሓዊ ዝሕክሙ ዶካትር ጽቡቕ ዜና ከስምዕዎ ተስፋ ብምግባር ይጽበይ።
ኣብዚ ዛንታ ናይ ዝተገለጹ ሰባት ስም ንድሕነቶም ብዝብል ክቕየር ተገይሩ'ሎ።