ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ተሓለቕቲ ተፈጥሮ ተቐቲሎም ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ ኣየርን መሰል መሬትን ንምሕላው ዝሰርሑ ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ጎስጎስቲ ከምዝተቐተሉ ግሎባል ዊትነስ ዝተባህለ ጉጅለ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ 2020 ኣኣ ዝለዓለ ቁጽሪ ጎስጎስቲ 227 ሰባት ዝቐተሉሉ ዓመት ከምዝነበረ ገሊጹ፡፡

ኣስታት ሲሶ እቶም ቅትለታት ምስ ከም ምቑራጽ ኣግራብ፣ ዕደና፣ ገዘፍቲ ዓውዲታ ሕርሻ፣ ግድባት ሃይድሮኤሌክትሪክን ካልኦት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ዝኣመሰሉ ምዝመዛ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተኣሳሰሩ እዮም፡፡

አቲ ጸብጻብ እቶም ግዳያት ዕቀባ ዘድልዮም ሃብቲታት ተፈጥሮ ኣግራብ፣ ፍልፍላት ማይን ውቅያኖሳትን ኣብ ምሕላው ዝሞቱ ‘‘ሓለውቲ ከባቢ’’ ክብል ገሊጽዎም፡፡

ድሕሪ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተገበረ ስምምዕ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ዘሎ እዋን ፡ በቢሰሙን ኣርባዕተ ጎስጎስቲ ከምዝተቐተሉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሲቪል ማሕበራትን ዝግበር ዓፈናታት ዝናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ካብቲ ዝተገመተ ዝዛይድ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ምቑራጽ ኣግራብ ብደረጃ ኢንዳስትሪ እቲ ምስ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ጎስጎስቲ 23 ዝተሓሓዝ ኮይኑ ኣብ ሃገራት ብራዚል፣ ኒካራጓ፣ ፔሩን ፊሊፒንስን ዝተፈጸመ እዩ፡፡

ኣብቲ ንለውጢ ክሊማ ምኽንያት ዝኾነ ከባቢ ዝርከቡ ደቂኣባት ዝኾኑ ግዳያት ድማ እቲ ካልኣይ ሲሶ ይሕዙ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 65 ሰባት ዝተቐተሉላ ኮሎምብያ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝሓዘት እያ፡፡

ከቢድ ጾር

ላዕለዋይ ጎስጓሲ ግሎባል ዊትነስ ክሪስ ማደን፡ መንግስታት ነቶም ንሓለዋ ተፈጥሮ ዝቃለሱ ሰባት ኣብ ምሕላው በርቲዖም ክሰርሑ እዩ ዝጽውዕ፡፡

‘‘ትካላት ቅድሚ ትርፊ ነቲ ህዝብን ነታ እንነብረላ ምድርን ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም፤ እንተዘይኮይኑ ዕንወት ከባቢ ኣየርን ቅትለትን’’ ክቕጽሉ እዮም ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ ኣንጻር ቅልውላው ከባቢ ተፈጥሮ ይቃለሱ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ጎስጎስቲ ከቢድ ጾር የስዕብ ከምዘሎ ክሪስ ማደን ተዛሪቡ፡፡

ኣብ መደቀሲኣ እንከላ ዝተቐተለት

ጓል 65 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፊኪለ ንሳንጋሲሰ ካቶም ግዳያት ሓንቲ እያ፡፡

ንሳ ነቲ ተንደለ ዝተባህለ ኣብ ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ሕመት ዘፍርይ ትካል ዘካይዶ ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ደው ከብሎ ትከራኸር ነይራ፡፡

ኣብ መደቀሲኣ እንከላ ብጥይት ተወቒዓ ሞይታ፡፡

31 ዕድሚኣ ጓላ ማሉንጌሎ ዣካዛ፡ ኣዲኣ ዘካየደቶ ቃልሲ ህያው ከምዝኾነ ትገልጽ፡፡

‘‘ቅትለት ኣደይ ኣመልኪቱ ይካየድ ኣብ ዘሎ ምርመራ ዛጊድ ዝተኣሰረ ሰብ የለን፡፡ ተሓታቲ ዝኾነ ኣካል የለን፡፡ ዝበጽሕ ክሳራ ብዘየገድስ ምስፍሕፋሕ እቲ ዕደናን ምዝመዛን ክቕጽል ዝደሊ ሰብ ዘሎ ይመስኒ’’ ኢላ፡፡

እቲ ብቕትለት እታ ጎስጓሲት ዝሕመ ትካል ግና ሞት ፊኪለ ምስ ማሕበረሰባዊ ምስሕሓብ ዝተተሓሐዘ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብቲ ዝካየድ ምርመራ ምስ ፖሊስ ንምትሕብባር ድሉው ከምዝኾነን ኣፍሊጡ፡፡

ኦስካር ኢራውድ ኣዳምስ እውን ኣብ መስከረም 2020 ኣብ ሜክሲኮ ተቐቲሉ፡፡ ንሱ እቶም ኣብ ባጃ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ደቂኣባት ማሕበረሰብ ኩምያይ ቀረብ ዝሰተ ማይ ክረኽቡ ይሕግዝ ነይሩ፡፡