እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተፈጥሮ: ንብዙሓት ዘገረመ ኣብ ርዋንዳ ዝተራእየ ባህርያዊ ክስተት ዓንዲ-ማይ
ኣብ ርዋንዳ ዝተራእየ ባህርያዊ ክስተት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስሒቡ'ሎ።
እቲ ኣብታ ሃገር "ኢሳታ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት ሳሕቲ ዘጋጥም ኩነታት ኣየር ኮይኑ፡ ኣብ ቀላይ ሩሆንዶ'ዩ ኣጋጢሙ።
ካብ ምድሪ ተበጊሱ ዝሕምበብ ንፋስን ማይን ኣብ ኣየር ብምቛም፡ ደበና ጠቀስ ዘገርም ዓንዲ ይፈጥር።
ትካል ሜትሮሎጂ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መንቆርቆር ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ሓያል ዓንዲ-ማይ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ናይቲ ቀላይን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ደበናን ዘሎ ፍልልይ መጠን ዋዒ ዝፍጠር ምዃኑ ሓቢሩ።
ከምኡ ዓይነት ከቢድ ደበና፡ ብልሙድ፡ ዝናብ፡ ነጎዳን በርቅን ዘስዕብ ምዃኑ፡ ሓደ ኣቕራቢ ኩነታት ኣየር ገሊጹ።
ገለ ሰባት፡ ብዛዕባ'ቲ ክስተት ሕቶታት ከምዘለዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጹ ተሰሚዖም።
"እንታይ ዓይነት ክስተት'ዩ እዚ? ኣብ ቀላይ ሩሆንዶ ሕጂ ዝረአ ዘሎ? ክብል ሓደ 'ናቹራል ቢዩቲ ኦፍ ርዋንዳ' ዝተባህለ ተጠቃሚ ትዊተር ሓቲቱ።
". . . ገለ ብዛዕባ ጆግራፊ ጠፈር ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን" ይብል ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር ብወገኑ።
ናሽናል ጆግራፊክ ሶሳይቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ትካል ከምዝብሎ፡ ክስተታት ዓዲ-ማይ (waterspout) ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ልሙዳት ምዃኖም የረድእ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ፍሎሪዳ ኪይስ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ፡ ኣብ ደሴታት ግሪኽን ኣብ ምብራቓዊ ማያት ኣውስትራልያን ዓዲ-ማያት ከምዝራኣዩ ይፍለጥ።
እቶም ዝፍጠሩ ዓንዲ-ማያት፡ ምስ ህቦብላታት (ቶርኔዶስ) ዝመሳሰሉ'ኳ እንተኾኑ፡ ብዓቐን ዝነኣሱን ብዙሕ ዕንወት ዘየስዕቡን'ዮም።