እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተፈጥሮ፡ ብሕጂ ክንሪኦም ዘይንኽእል ዓሌታት እንስሳ
ዝጸነቱ ዓሌት እንስሳ ኣብ እንሓስበሉ እቲ ቀዲሙ ኣብ ኣእምሮና ዝመጽእ ዳይኖሰር ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እነተኾነ ተመራመርቲ ስነ እንስሳ፡ ኣብ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 10000 ዓሌታት እንስሳ ከምዝጸንቱ እዮም ዝሕብሩ።
30 ሕዳር ብደረጃ ዓለም ንዝጸነቱ ዓሌታት እንስሳ ዝዝከረላ መዓልቲ ኾይና፡ ኣብዛ መዓልቲ ካብዛ ዓለም ጸኒቶም ዝተብሃሉ ግን ዳግማይ ዝተረኸቡ ዓሌታት እንስሳ እውን ዝዝከሩላ መዓልቲ እያ።
ቀያሕቲ 'ዋልድሮን ኮሎቦስ' (ኣብ ጋናን ኣእቮሪኮስትን)
እዚ ዓሌት እንስሳ እዚ ኣብ 1978 ኣብ ገማግም ዛንዚባር ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ስለዘይተራኣየ ጸኒቱ ተባሂሉ ተቐቢጹ ዝነበረ እዩ።
እዚ ሕጂ ኣብ ዶባት ጋናን ኣይቮሪኮስትን ዝተረኸበ ዓሌት ቀያሕቲ ዋልድሮን ኮሎቦስ ምስ ዓሌት ኣህባይ ዘመሳስል ቅርጺ ኣቃውማን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣጻብዕቲ ዓባይ ዓባይቶ የብሉን።
ዶልፊን ፈለግ ኣንግተዝ (ቻይና)
እዚ ኣብ ፈለግ ያንግተዝ ናይ ቻይና ዝርከብ ዓሌት ዶልፊን፡ ኣብ ጽሩይ ማይ ካብ ዝነብሩ ዝገደመ ኣጥባዊ እንስሳ ኮይኑ ኣብ 2006 ከም ዝጸነተ ተኣዊጅሉ።
እዚ ዶልፊን እዚ ካብቶም ኣብ ጨዋም ማይ ዝርከቡ ዓሌታት ዶልፊን ኣብ ዝባኑ ብዘሎ ሞንጉድ ዝፍለ ኮይኑ፡ ብተፈጥርኡ ነገራት ኣብ ምልላይ ኣዝኡ ሓያል ምንባሩ እውን ይፍለጥ።
ኣብ ካባቢኡ ዘሎ ምንቅስቃስ ናይ ነብሲ ወከፍ ተንቀሳቃሲ ኣካል ስለዘላሊ፡ ኣብቲ ፈለግ ዝነቀሳቀሳ ዓሳ ዝገፋ ጀላቡን፡ ሰብ ዘመላልሳ ዓበይቲ መራኽብን ብከላን ጠንቂ ምጽናቱ ምኳኖም ይእመን።
'ሲል' ካሪብያን ( ኣብ ጀማይካን ኒካራጓን)
እዚ 'ሲል' ካሪብያን ቅድሚ ዓመታት ኣብ ወሽመጥ መክሲኮ፡ ምብራቓዊ ገማግም ማእከላይ ኣሜሪካን፡ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ኣሜሪካን ዝረአ ዝነበረ ዓሌት እዩ።
እንተኾነ ካብ ስብሖም ዝርከብ ነዳዲ ንምርካብን ንመግብን ሰባት ብብዝሒ ክሃድንዎም ስለዝጀመሩ ቁጽሮም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነከየ ከይዱ።
ኣብ 1952 ኣብ ዶባት ጀማይካን ኒካራጓን ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ስለዘይተረኣየ፡ ዝጸነተ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኣሎ።
'ዶዶ' (ሞሪሽየስ)
ዶዶ ካብ ዝጸነቱ ዓሌታት ኣዕዋፍ እታ ኣዝያ ዝተፈለጠት ዓሌት ኮይና፡ ፍጥረታ ካብ እዋን ዳይኖሰራት ኣትሒዙ ከምዝነበረ እዩ ዝእመን።
ሰባትን ስጋ ዝምገቡ ዓይነታት እንስሳን ናብ ሞሪሽየስ ምስ ኣተዉ ዶዶ ግዳይ ሃደን እዞም እንስሳታት ክትከውን ስለዝጀመረት ኣብ መጀመርታ 1700ታት ምስ ተራኣየት ምሉእ ንምሉእ ጸኒታ።
ስቴለር ላም ባሕሪ(ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣላስካን (ኣሜሪካ))
እዚ ቁመቱ ክሳብ ትሽዓተ ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽልእ እንስስ ባሕሪ፡ ሳዕሪ ባሕሪ እዩ ዝምገብ።
ጣዕሚ ስግኡ ልክዕ ከብ ስጋከብቲ ብምኳኑ ግዳይ ሃገድ ዝኾነ እዚ እንስሳ፡ ካብ 1741 ጀሚሩ ከም ጽኑት ተመዝጊቡ ይርከብ።
ኳዋጋ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
እዚ እስሳሳ እዚ ምስ ኣድጊ በረኻ ዘመሳስል ቅርጽን መልክዕን ዘለዎ ኮይኑ መልክዕ ጠንቂ ምጽናቱ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ከም ኣድጊ በረኻ ጸሊምን ብናዉን ሽራጥ ሽረጥ ዘለዎ እንስሳ፡ መልክዑ ንሃደንቲ ኣቓሊዕዎ እዩ፡ ኣብ 1880ታት ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ኣይተራኣየን።