እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
315 ቢልዮን ቶን በረድ ካብ ኣንታርቲካ ተንቀሳቒሱ
ኣብ ኣንታርቲካ ዝርከብ ቀጸላታት በረድ፡ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ካብ ዝተራኣየ እቲ ዝዓበየ ዝተብሃለ ኩምራ በረድ ካብ ቦትኡ ተንቃሳቒሱ።
እዚ በረድ 1636 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዓቐንን 210 ሜትሮ ርጉድን ዘለዎ ኮይኑ 315 ቢልዮን ቶን እዩ ክብደቱ።
እዚ ካብ ቦትኡ ተንቀሳቒሱ ዘሎ ድርዒ በረድ፡ ኣብ መጻኢ ንምንቅስቃስ ዓበይቲ መራኽብ መሰናኽል ክፈጥር ስለ ዝኽእል ጥቡቕ ምክትታል ክግብረሉ ከም ዘለዎ ምሕጽንታ ቀሪቡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ 1960ታት፡ 9000 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝዓቐኑ በረድ ፡ ካብ ቦትኡ ከም ዝተንቀሳቐሰ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ሕጂ ካብ ቦትኡ ተንቀሳቂሱ ዘሎ ገዚፍ በረድ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእየ ብግዝፉ ኣብ ሳልሳይ ዝስራዕ ኮይኑ፡ ተመራመርቲ እዚ ምንቅስቃስ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ኣንታርቲካ ከስዕቦ ዝኽእል ለውጢ ኣብ ምክትታል ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ፕሮፌሰር ሄለን ፍሪክ "ከምቲ ሓደ እኹል ሰብ ስኑ ምስ ጎረፍ ዝመስሎ፡ እዚ ኣብ ኣንታርቲካ ኣጋጢሙ ዘሎ'ውን ከምኡ ክምሰል ይከኣል'ዩ" ትብል።
ፕሮፈሰር ሄለን ፍሪክ ኣብ 2002 ነቲ ቦታ ድሕሪ ምዕዛባ ኣብ 2010 ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ ግዜ እዚ በረድ ካብ ቦትኡ ከም ዝፍለ ሓቢራ ነይራ።
እዚ ክስተት ምስ ክሊማዊ ዋዒ ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉ ዝሓበረት ፕሮፌሰር ሄለን፡ ኣብቲ ቦታ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ዝተውህለለ ኣሳእል ሳተላይት ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኹ ቅሩብ ናይ ምምካኽ ምልክት እንተዘይኮይኑ ናብዚ ከቃልዖ ዝኽእል ምልክት ከም ዘይነበሮ እያ ትሕብር።