ታንዛንያ፡ ኣደታት ደቀን ሒዘን ናብ መምሃሪ ክፍሊ ከይኣትዋ ተኣጊደን

ኣብ ቀረባ ግዜ ነብሰ ጾር ተምሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝእግድን ድሕሪ ወሊድ’ውን እንተኾነ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይምለሳ ዝኽልክል ሕጊ ዝሰረዘት ታንዛንያ ኣዴታት ደቀን ሒዘን ናብ ቤት ትምህርቲ ኽኣትዋ ከምዘይፍቀደለን ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ታንዛንያ ነብሰ ጾር ኣደታት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትዋ ከምዘይብለን ዝእግድ መምርሒ’ኳ እንተገደፎ ዝወለዳ ኣደታት ግን ደቀን ሒዘን ናብ መምሃሪ ክፍሊ ሒዘን ከይመጽኣ ኣጠንቂቑ።

ሚኒሰተር ትምህርቲ እታ ሃገር ኦዶልፍ ማኬንዳ፡ ተምሃሮ ምስወለዳ ትምህርተን ንኽቕጽላ ፈቒድና ማለት ደቀን ሒዘን ናብ መምሃሪ ክፍሊ ክኣትዋ ኣለወን ማለት ግን ኣይኮነን ኢሉ።

እቲ ሚኒስትር ነዚ ርእይቶ ዝሃበ ኣብ ታንዛንያ ግዝኣት በምቤያ ሓንቲ ተምሃሪት ዝወለደት ኣደ ወዲ 4 ወርሒ ውሉዳ ሒዛ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኣቱ ከምዝተፈቐደላ ዘዘንቱ ሓበሬታ ብማዕኸን ዜና ቢቢሲ ድሕሪ ምቅልሑ’ዩ።

ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ጓል 19 ዓመት ኣስናት ጌድዮን ወዳ ሓቝፋ ኣብ ክፍሊ እንዳተምሃረት ዘርኢ እዩ። እታ ተምሃሪት ኣብ ገዛ ንወዳ ዝናብየላ ሰብ ከምዘይብላ ብምግላጽ እዚ ክትገብር ከምዝተገደደት ተዛሪባ ነይራ።

ፕሮፌሰር ማኬንዳ፡ ቆልዑት ሒዝካ ናብ መምሃሪ ክፍሊ ምእታው ንኻልኦት ተምሃሮ ስለዝርብሽ ቆልዑ ሒዝካ ምእታው ፍቑድ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ኣብ ታንዛንያ ዝጠነሳ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይመጽኣ ዝኽልኽል ሕጊ ዝነበረ ኮይኑ ምስወለዳ’ውን እንተኾነ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ ኣይፍቀደለንን ነይሩ።

እቲ መምርሒ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ክትግበር ዝጸንሐ ኮይኑ ቅድሚ ኣዋርሕ ስለዝተሰረዘ ግን ብዙሓት ኣደታት ትምህርተን ንኽዛዝማ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሳ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።

እታ ኣብ ጸብጻብ ቢቢሲ ዝቐረበት ኣዶ፡ ዝመሃራ ኣዶታት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ እንከለዋ ደቀን በየናይ መገዲ ክናብያ ከምዘለወን ኣብ ዝብል ርእሲ ሰብ ሞያ ሓሳቦም ንኸካፍሉ መበገሲ ኮይና እያ።

ከም ኣደ ቆልዓ ኣስናት ጌድዮን ካልእ ኣማራጺ ዘይብለን ኣደታት ትካላት መጽንሒ ቆልዑት ክምስረት ሓሳብ ከምዝቐረበ ሓደ በዓል ሞያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።