ሞዛምቢክ: በራሕ ርእሲ 'ወርቂ ኣለዎ' ብዝብል ማሪታዊ እምነት ዝተፈጸመ ቅትለት

ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ በራሕ ሰብ ምስ ማሪታዊ እምነት ብዝተሓሓዝ ክሳዱ ከምዝተቖርጸ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ነቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ነቲ ዝተቖርጸ ርእሲ ናይቲ ግዳይ ክሸጥዎ ከምዝሓሰቡ ፖሊስ ሞዛምቢክ ገሊጹ።

እቲ ክገዝኣሎም ዝተባህለ ወልቀሰብ ብምስዋሩ ግን፡ ነቲ ርእሲ ኣብ ማእከል እታ ኣብ ማእከላይ ዞባ እትርከብ ከተማ ማውንዲዋ ገዲፎሞ ከምዝኸዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ገለ ሞዛምቢካውያን፡ በራሕ ርእሲ ደቂ-ተባዕትዮ ወርቂ ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ይግለጽ።

ፖሊስ ብዛዕባ'ቲ ግዳይ ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።

ሰብመዚ ጸጥታ ብዛዕባ'ቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ይኹን ንምሓዞም ዝተገብረ ጻዕርታት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።

በራሕ ርእሲ ንምርካብ ዝግበር ቅትለት እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ 2017 እውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ንፈለማ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።

ብማሪታዊ እምነት ዝተደረኸ ንግዲ ኣካላት ሰብ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ማላዊን ታንዛንያን ዳርጋ ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተመሳሳሊ መበገሲ ዘለዎ ቅትለታት ከምዝፍጸም ጸብጻባት የረድኡ።

እቲ ቅትለታት ብምፍጻም ዝርከብ ኣካላት ጽቡቕ ዕድላት ብልጽግናን ጾታዊ ፍቕርን የምጽእ'ዩ ተባሂሉ ዝእመን።

ብፍላይ ኣብ ከም ብዓል ታንዛንያ ዝበላ ሃገራት ኣካላት ናይቶም ሕማም ለምጺ ዘለዎም ሰባት ካብቶም ኣዝዮም ዝድለዩ ብምዃኖም፡ ብዙሓት ጻዕዳ ቆርበት ዘለዎም 'ኣልቢኖ' ግዳያት ክኾኑ ዝገበረ ግጉይ እምነት'ዩ።

ኣብ 2019 ፖሊስ ታንዛንያ፡ ምስ ሞት 10 ኣልቢኖ ቆልዑ ብዝተሓሓዝ 65 ጠንቆልቲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣልቢኖ ብብዝሒ ኣብ ታንዛኒያ ከምዝራኣዩን፡ ካብ 1,400 ታንዛናውያን እቲ ሓደ ሰብ ኣልቢኖ'ከምዝኾነን ወግዓውያን ጸብጻባት'ታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ግን፤ ካብ 20,000 ሽሕ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ብ 'ኣልቢኒዝም' ዝጽሎ።

ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም'ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣካላት ሰብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ገበናት ምዃኑ ይፍለጥ።