ናይጀርያ፡ በላዕቲ ሰብ ብዝብል ዝተኸስሱ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትያ

ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ እትርከብ ግዝኣት ዛማፋራ፡ ኣብ ተግባራት ምብላዕ ስጋ ሰብን ኣካላት ሰባት ኣብ ምሻጥን ከም እተዋፈሩ ዝከሰሶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታው ገሊጹ።

እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ዝኣተው መርመርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘይተዛዘመ ህንጻ ገለ ኣካላት ዝጎደሎ ኣስከሬን ድሕሪ ምርካቦም ምዃኑ ኮምሽነር ፖሊስ እቲ ዞባ ኣያቡ ኤልካና ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

እቲ መርመራ ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ ድሕሪ ምጥፍኡ እዩ ተጀሚሩ።

እቶም ተጠርጢሮም ዘለው ክልተ ሰብኡትን ክልተ ኮተቴታትትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ዝገለጸ ሚስተር ኤልካና ካልኦት ኣባላት እቲ ጭፍራ ይህደኑ ከም ዘለው ኣረዲኡ።

ዛጊት ብዝተኻየደ መርመራ፡ ሓላፊ እቲ ጭፍራ ምዃኑ ዝተነገረሉ ውልቀሰብ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ኣካላት ናይ ሰብ ምእንቲ ከምጽኡሉ ነቶም ካልኦት ጥርጡራት 1200 ዶላር ከም ዝኸፈለ ተቓሊዑ ኣሎ።

ዛማፋራ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ቅትለትን ገንዘብ ንምርካብ ጭውያን ዝረኣየለን ግዝኣታት ናይጀርያ ክትኸውን እንከላ፡ ሰብ መዚ ነቲ ጎንጺ መግትኢ ብዘይምግባሮም ይንቀፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ቁሸት ኣብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ሃንደበታዊ መጥቃዕትታት ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጻባት ይገልጹ።