ብናይ ውልቀ ነፈርቲ ዝተጨናነቐ መርዓ ወዲ ፕረዚደንት ናይጀርያ

መጉየዪ ጽርግያ መዓርፎ ነፈርቲ ሰሜናዊት ከተማ ናይጀርያ ካኖ፡ ብናይ ውልቀ ነፈርቲ ተጨናኒቑ ይርአ። ምኽንያቱ ድማ ወዲ ፕረዚደንት ናይጀርያን ጓል ሓደ ፍሉጥ ሃይማኖተኛን ባህላዊ መራሒን ስነ ስርዓት መርዕኦም ይፍጽሙ ስለዝነበሩ ናብኡ ዝተዓደሙ ሊሂቃን ናይጀርያ እዮም ኣጨናኒቖሞ።

መርዓ የሱፍ ቡሃሪን ዛሃራ ናስርን ኣብዚ ዓመት ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝተፈጸሙ ውሩያት ክስተታት ሓደ እዩ። ኣብቲ ኣብ ካኖ ቤተ መንግስቲ ቢቺ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት መርዓ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተረኺቦም።

ኣብ ናይጀርያ መውስቦ ኣብ መንጎ መራሕትን ንጉሳውያን ቤተሰብን ተሰሚዑ ከምዘይፈልጥ ሓደ ምሁር ታሪኽ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቶም መርዕኦም ዝፈጸሙ ሕጹያት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኒቨርስቲ ሱረይ ከምዝተላለዩ ተገሊጹ።

ኣቦ ናይታ መርዓት ናስር ኣዶ ባየሮ ናይ ቢቺ ‘ኢሚር’ ኮይኑ ምስተሰየመ ብወግዒ እቲ ስነ ስርዓት መርዓ ተጀሚሩ። ሓዉ ኢሚር ካኖ ኣብ ናይጀርያ ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና’ዩ።

እንዳ ወዲ ንእንዳ ጓል 500 ሽሕ ናራ [ባጤራ ናይጀርያ] ዘግዘሙ ኮይኖም እዚ ድማ ብልሙድ ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝኽፈል መጠን ገዝሚ 10 ዕጽፊ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ኣብ ናይጀርያ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኢሻቕ ካልድ ቅድሚ መርዕኦም ዝተስኣልዎ ስእልታት ሕጽኖት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መካትዒ ኮይኑ ከምዝቐነየ ተገሊጹ።

ገለ ነቕፍቲ ኣከዳድና ናይታ መርዓት ኣብ ከባቢ ማእገራ ዕርቃና ተራእያ ዝበሉ ኮይኖም እዚ ድማ ምስ ባህሊ ሕብረተሰብና ዘይኸይድ ኢሎም ነቒፎምዋ። ገለ ገሊኦም ድማ ጽቡቕ ገበረት ክብሉ ድጋፎም ገሊጾሙላ።

ናብቲ መርዓ ንምክፋል 100 ናይ ውልቀ ነፈርቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካኖ ከምዝኣተዋ ሓበሬታታት የመልክቱ። ካብ ሓለፍቲ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን ትሕቲ 50 ከምዝኾና ገሊጹ።

እንተኾነ ግን ድባብ እቲ መርዓ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሕትል ከምዝበለ ተገሊጹ። መብዛሕቲኦም ዕድሟት ኣጋይሽ ‘ማስክ’ ገይርኦም ከምዝተርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ መርዓ ብኣዝዩ ጥቡቕ ሓለዋ ዝተሰነየ ዝነበረ ኮይኑ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ናይጀርያ እንኮላይ ተቓወምቲ መንግስቲ ተረኺቦም። ካብቶም ዝተረኸቡ ፖለቲከኛታት ሓደ ኣብ 2015 ፕረዚደንታዊ መረጻ ተሳዒሩ ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ጉድላክ ጆናታን ይርከቦም።