ጉዳይ ብህይወቱ እናሃለወ ብሓዊ ዝተቓፀለ ሶማልያዊ ቁጠዐ ፈጢሩ

ሓደ ሶማልያዊ፡ ወዲ ሓፍቱ ምስ ጓል ካልእ ዓሌት ንክመርዐው ብምውዳዱ፡ ብህወይት እንከሎ ብሓዊ ክቃፀል ስለዝተገበረ ንብዙሓት ኣቖጢዑ።

እዚ ኣሕመድ ሙክታር ዝተብሃለ ግዳይ፡ ካብ ዓሌት ባንቱ ዝኾነን ምስ ሓንቲ 'ካብ ዓበይቲ ማይቤት' እትውለድ ጓል ብምሽጥር ርክብ ዝነበሮን ወዲ ሓፍቱ ነይርዎ።

እዞም ክልተ መፃምዲ ብሓባር ምስጠፍኡ፡ ናይታ ጓል ስድራ ንጓሎም ክመልሰሎም ንኣሕመድ ሙክታር ሓቲቶምዎ ነይሮም።

እዞም መፃምዲ ንክመርዓዉ ኢድ ስለዝነበሮ እዩ፡ ኣሕመድ ኣብ ኩርምቲ ስድራ መርዓት ክኣቱ ግድን ኮይኑ።

ደሓር ግና፡ ኣቦ ናይታ ጓል፡ ነዞም መፃምዲ ባርኾት ክህብዎም ወሲኖም እኳ እንተነበሩ፡ ኣዶ ጓልን ካልኦት ቤተሰብን ግና እዚ ክትግብሩ ኣይደለዩን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቃዱሾ፡ ሙክታር ሳላሕ ብካራ ድሕሪ ምውጋእ ንክቃፀል ተገይሩ።

ፖሊስ ክሳብ ሕዚ ንኣዶ መርዓትን ኣብዚ መጥቃዕቲ ርክብ ክህልዎም ይኽእል እዩ ኢሉ ንዝጠርጠሮም ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ኣሲሩ አሎ።

መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ከምዝፀብፀብኦ ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሙክታር ሳላሕ ብዙሕ ሰብ ተረኺቡ እዩ።