ኣብ ጃፓን 9 ሰባት ቀቲሉ ኣካሎም ዝቖራረጸ ‘ቀታሊ ትዊተር’ ንሞት ተፈሪዱ

ብማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ንዝረኸቦም ትሸዓተ ሰባት ዝቐተለ ውልቀሰብ ብሞት ክቕጻዕ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ኣብ ጃፓን ሓያል ስንባደ ፈጢሩ።

እዚ "ቀታሊ ትዊተር" ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ታካሂሮ ሺራሺ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ 2017 ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝተቖራረጸ ኣካላት ሰብ ምስተረኸበ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ንሱ፡ በቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተላለዮም መብዛሕትአን ናኣሽቱ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ግዳያቱ ከም ዝቐተለን ኣካላቶም ከም ዝቖራረጾን ተኣሚኑ።

በቲ ዝተኣመነሉ ቅትለት ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ሎሚ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብቲ ንተዓዘብቲ 16 መናብር ጥራሕ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ልዕሊ 400 ሰባት ነቲ ውሳነ ተኸታቲሎምዎ ክብል ማዕከን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ።

ሺራሺ፡ ትዊተር ተጠቒሙ ዓርሰ-ቕትለት ንዝፍጽሙ ሰባት ናብ ገዝኡ መጺኦም ንክሞቱ ክሕግዞም ከም ዝኽእል፤ ኣብ ገሊኡ ድማ ሓቢሩወን ክቕተል ከም ዝኽእል ይገልጸሎም ምንባሩ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ጃፓን፡ ክዮዶ፡ ንክሲ እቲ ውልቀሰብ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ እቲ ውልቀሰብ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ጥቅምቲ 2017 ን8 ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ዕድሚኡ ካብ 15 ክሳብ 26 ዝግመት ወዲ ተባዕታይን፡ ክሳዶም ሓኒቑ ብምቕታል፡ ኣካላቶም ቆራሪጹዎ'ዩ ይብል።

ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብዘካየዶ መርመራ ትሸዓተ ርእስን ብርክት ዝበለ ኣእዳውን ኣእጋርን ረኺቡ።

ንዝቐረበሉ ክሲ ከም ዝፈጸመ ክኣምን እንከሎ፡ ጠበቓታቱ ግን "ብፍቓድ ዝተፈጸመ ቕትለት" ስለዘተግበረ መቕጻዕቲ ሞት ኣይግብኦን'ዩ ብምባል ክከላኸልሉ ፈቲኖም።

ሺራሺ ግን፡ ንምጉት ጠበቓታቱ ኣፍሪሱ ብምፍራስ፡ ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ከምዝቐተሎም ስለዝመስከረ ዝተዋህቦ ፍርዲ ከምዝኸብድ ገይሩ።

ዳኛ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅትለት፡ "ጉርሒ ዝመልኦን ጨካንን" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ "ካብቶም ትሻዓተ ግዳያት ክቕተል ፍቓድ ዝሃበ የለን፡ ዋላ ልኡም ፍቓድ" ኢሉ።

"ሂወት መንእሰያት ብኸምዚ ክውሰድ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ። ክብረት ናይዞም ግዳያት ተረጊጹ'ዩ" ይብል ዳኛ ያኖ።

እቶም ግዳያት መን'ዮም?

ምስጢራውነት ናይቶም ግዳያት ንምሕላው፡ ኣስማቶም ኣይተገልጸን።

ኣቦ ናይ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት ጓል 25 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዋላ ይሙት፡ ንሺራሺ ይቕሬታ" ከምዘይገብረሉ ተዛሪቡ ክብል፡ ማዕከን ዜና ጃፓን ኤን-ኤች-ከይ ሓቢሩ።

"ዋላ ሕጂ፡ ክንዲ ጓለይ እትኸውን ጓል እንተሪአ፡ ጓለይ ትመስለኒ። ቃንዛ ኣይክገድፈንን'ዩ። ጓለይ ሃቡኒ" ኢሉ ነይሩ።

ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተረኽበ ካልእ ኣቦ ጓል 17 ዓመት፡ እቲ ዝተዋህበ ናይ ሞት ፍርዲ "ርትዓዊ'ዩ" ኢሉዎ።

"ሕነ ምፍዳይ'ዩ ዝስምዓኒ ዘሎ፡ ግና ቤተሰብ ዝሞቶ ዋላ ሓደ ክገብር ኣይክእልን'ዩ። ዘለኒ ቁጠዐ ብኸመይ ከምዘውጽኦ ጠፊኡኒ'ሎ" ኢሉ።

ሓዉ፡ ንሓደ ወዲ 25 ዓመት ግዳይ ብወገኑ፡ ሺራሺ ዝሃቦ ቃል ምስ ሰምዐ "ልበይ ሞይቱ" ክብል ተዛሪቡ።

"ብዝገበሮ ዝተጣዕሰ ኣይመስልን … ብበሊሕ ካራ ደጋጊሞም ዝወግኡኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። "

ቅትለት ናይቶም ግዳያት ኣብታ ሃገር ዓቢ ስንባደ ብምፍጣሩ፡ ብዛዕባ ርእሰ-ቅትለት ክትዕ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ።

ነቲ ኣብ መርባባት ኢንተርነት ብዛዕባ ርእሰ-ቅትለት ዝግበር ዝርርባት ቅጥዒ ክግበረሉ ዝብል ርእይቶታት ይመጽእ ኣሎ። መንግስቲ'ውን ሓድሽ ሕጊ ከተኣታቱ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ'ሎ።

ትዊተር ብግዲኡ፡ ንዝነበሮ ቅጥዕታትን መምርሒታትን ከመሓይሽ ተገዲዱ ኣሎ። ተጠቀምቲ "ንርእሰ-ቅትለት ይኹን ርእሰ-መጉዳእቲ ከወዓውዑ ወይ ከተባብዑ" የብሎምን ይብል እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት።

መጠን ኣብ ጃፓን ዝፍጸም ርእሰ-ቅትለት፡ ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።