እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ ወለዲ ክእሰሩ ምዃኖም ተገሊጹ
ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዶዶማ ዝቕምጡ ወለዲ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሮም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ እንተድኣኾይኖም ከምዝእሰሩ ሓደ በዓል ስልጣን ኣጠንቂቑ።
ዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ዶዶማን ዙርያኣን ኣንቶኒ ምታካ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክውሕዙ ትጽቢት ዝተገበረሎም ቁጽሪ ተመሃሮ ስለዝወሓደ ብምቑጥዑ'ዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ ዘሎ።
ትማሊ ዓርቢ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓዲኤን ተረኺቡ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ቁጽሪ ተመሃሮ ኣመና ስለዝወሓደ እዩ ደቆም ኣብ ልዕሊ ዘይልእኹ ወለዲ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ዝተዛረበ።
ኣብታ እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ምብጻሕ ዘካየደላ ቤት ትምህርቲ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክርከቡ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሎም 165 ተመሃሮ 67 ጥራይ እዮም ተረኺቦም።
ከም ሳዕቤኑ ዝኾረየ ዋና ኣመሓዳሪ ኣንቶኒ ምታካ፡ ወለዲ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሮም ደቆም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክልእኹዎም እንተዘይኮይኑ ግን ክእሰሩ ምዃኖም ኣጠንቂቑ።
ወለዲ “ንስኻትኩም ደቅኹም ናብ ቤት ትምህርቲ ክትሰድዎም እንተዘይኪኢልኩም ኣነ መምሃሪ ክፍልታት ክሃንጽ ኣይክእልን። ካብ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት 4 ጀሚረ ገዛ ገዛ እንዳዘወርኩ እቶም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ ወለዲ ከኣስሮም’የ” ኢሉ።
ዋና ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዶዶማ ካብ ደጊም ኣብ ልዕሊ ትምህርቶም ዘብኩሩ ተመሃሮ ዓቕሊ ከምዘይህልዎን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑን ተሓንዩ’ሎ።
ኣብ ታንዛንያ ምስ ምብሓት ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ተዛሚዱ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ዝጅመር ክልተ ሰሙን’ኳ እንተሓለፈ ቁጽሪ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝውሕዙ ዘለዉ ተምሃሮ ግን ኣይ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉን።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ወለዲ መዓልታዊ ናብርኦም ንምምሕያሽ ደቆም ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ የዋፍርዎም ከምዘለዉን ኣብ እንዳ ሰብ ተቖጺሮም ንኽሰርሑ ይገብርዎም ስለዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።