እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ መጠኑ ዝሓለፈ ርጉዲ ንመንሽሮ ማህጸን ከም ዘቃልዕ ተገሊጹ
ዓቐን ዝሓለፎ ርጉዲ ንተቓላዕነት መንሽሮ ማህጸን ኣዐርዩ ከምዘዛይዶ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ፡፡
ንኣብነት ሓንቲ ቁመታ 1.65 ሜትር ዝኾነት ሰበይቲ፡ ካብቲ ምስ ቁመታ ተዛሚዱ ክህልዋ ዝግባእ፡ ክብደታ ብ 12.7 ኪሎግራም እንተወሲኹ ንመንሽሮ ማህጸን ዘለዋ ተቓላዕነት ብዕጽፊ ይውስኽ፡፡
እቲ 'ምርምር መንሽሮ ዩናይትድ ኪንግደም' ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ብዝገበሮ ሓገዘ ገንዘብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራትን ኣብ ዝነበራ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ እዩ፡፡
እቲ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ጥዑይ መጠን ክብደት ምሕላው ን 13 ዓይነታት መንሽሮ ዘለና ተቓላዕነት ከምዝጎድል ይገብር እዩ፡፡
ጂንን (ሰረት ዘርኢ) ሆርሞናትን እውን ካልኦት መንቀሊታት ሕማም መንሽሮ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡
ክሰዐ ብዝምልከት ዋህዮታት ስብሒ፡ ካልኦት ዋህዮታት ብተደጋጋሚ ክመቓቐሉ ዝሕብር መልእኽቲ የመሓላልፉ፤ እዚ ድማ መንቀሊ ሕማም መንሽሮ እዩ፡፡
ንኣብነት መበገሲ ገሊኡ ሕማም መንሽሮ ጡብ: ምስ ኤስትሮጅን ዝተባህለ ሆርሞን ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ እዚ ብዋህዮታት ስብሒ እውን ይፈርይ እዩ፡፡
እቲ ብዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ማዕቢሉ ኣብ ቢኤምሲ መዲስን ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ንርክብ ስብሕን መንሽሮ ጡብን ዝምልከት ካብ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ምጽናዕቲታት ሓደ እዩ፡፡
እቲ መጽናዕቲ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ መዋእል ዘጋጥም ወሰኽ ክብደት ዝመርመረ ኮይኑ ምስ ክሰዐን መንሽሮ ማህጸንን ዝተሓሓዙ 'ፋስቲንግ ሲንሱሊንን ተስተስትሮንን' ዝበሃሉ ክልተ ሆርሞናት ፈልዩ፡፡
እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ንሕማም መንሽሮ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ሰባት መጠን እቶም ሆርሞናት ንምቁጽጻር ዘኽእል መድሃኒት ብሰብ ሞያ ክርከብ ተስፋ ይገብሩ፡፡
ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ሓንቲ ዝኾነት ዶ/ር ኢማ ሃዘልዉድ፡ እቲ መጽናዕቲ: ጀነቲካዊ መጽናዕቲ ተጠቒምካ ክሰዐ ማዕረ ክንደይ ንመንሽሮ ከሳጥሕ ከምዝኽእል ዘርኣየ እዩ ኢላ፡፡
ካልኦት እውን እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቀጻሊ መንቀልን ሕክምናን ሕማም መንሽሮ ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ይገልጹ፡፡
ኣብ ብሪጣንያ ካብ 36 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ: ብመንሽሮ ማህጸን ትሳቐ፡፡
ዘይልሙድ ምድማይ ብልዕቲ ቀንዲ ምልክት መንሽሮ ማህጸን እዩ፡፡