እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ክልተ ማህጸን፣ ክልተ ክሳድ ማህጸንን ክልተ ርሕሚን ኣለኒ'
"ኤልሳቤጥ ኣሞኣ ይብሃል፤ ክልተ ማህጸን፣ ክልተ ክሳድ ማህጸንን ክልተ ኣፍደገ ርሕሚን ኣለኒ" ትብል።
እዛ ጓል 38 ዓመት ጋናዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስዚ ዘይተለምደ ጥዕናዊ ኩነታት ክንደየናይ ከም ዝተሳቐየት ንክተረድእ ናይ ጣዕሳ ብዝመስል ድምጺ እያ ትዛረብ።
ጓል 32 ዓመት ክሳብ እትኸውን ዶኳትር እቲ ጸገም እንታይ እዩ ዝብል ከለልዩዎ ኣይክኣሉን ነይሮም።
ኤልሳቤጥ ሕጂ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እያ ትነብር።
ክሳብ ብሕክምና ክልተ ማህጸን ከም ዘለዋ እትፈልጥ ግን [እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ተወርሶኣዊ ጸገም ጥዕና'ዩ] ንብዙሕ ዓመታት ብቃንዛ ከብዲ እናተሳቐየት መብዛሕትኡ ግዜ ስራሕ'ውን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ነይራ።
ብ2010፡ ብመርመራ ከይፈተልጠ ነፍሰ ጾር ኮይና መዓልታ ዘይኣኸለት ቈልዓ ወሊዳ እያ።
ኣብቲ ግዜ፡ ዋላ'ውን ነፍሰ ጾር ኮይና፡ እቲ ዕሸል ኣብ የማናይ ማህጸና እናዓበየ ንሳ ወርሓዊ ጽግያት ትርኢ ነይራ።
"ብየማናይ ማህጸነይ ድቂ ክሕዝ ይኽእል፤ ብጸጋማይ ከኣ ወርሓዊ ጽግያት ይርኢ። ነዚ እዩ ነፍሰ ጾር እናሃለኹ'ውን ወርሓዊ ጽግያት ጠጠው ዘይበለ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ድሕሪ ብዙሕ መጥባሕቲ፣ ሕክምናታትን መድሃኒትን ብ2015 ኣብ ሰብነታ እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ክትፈልጥ ክኢላ።
ንሳ፡ ሕጂ ዓለም እቲ ንሳ እትሓልፎ ዘላ ስቓይ ክትፈልጥ እሞ ካልኦት ብተመሳሳሊ ጸገም ከይሳቐያ ግንዛበ ክፍጠር ትደሊ።
መጀመርታ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕንኣ ንሓደ መደበር ራድዩ ጋና ምስ ተዛረበት፡ ብዙሕ ነቐፌታ ኣጋጢሙዋ'ዩ።
እንተኾነ ሰባት ኣፍልጦን ግንዛበን ንክህልዎም ኣብ ምስራሕ ቐጺላ።
"ብኸም ናተይ ዝበለ ኩነታት ንዝሓልፋ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስቕ ኣይትበላ፣ ንበይንኽን ኣይትቀንዘዋ፣ ብኣጋ ናብ ሕክምና ብምኻድ ግቡእ ክትትል ግበራ። ፍሉያት ምዃንክን ክኣ ከይትዝንግዓ" ክብለን ይደሊ ኢላ።