ክታበት ኤችፒቪ፡ ክታበት መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ብኸመይ ይከላኸል?

ሓድሽ መጽናዕቲ ክታበት ኤችፒቪ ሕማማት መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ብ90 ሚኢታዊት ከም ዝንኪ ሓቢሩ።

እቲ ማእከል መንሽሮ ዓባይ ብሪጣንያ ታሪኻዊ ዝበሎ መጽናዕቲ እቲ ክታበት ህይወት የድሕን ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝረኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ብስፍሓት ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ኮይኑ ዓመታዊ ልዕሊ 300 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ይቐትል።

ስለዚ ክታበት ኤችፒቪ ብኸመይ ይከላኸል?

ክታበት ሂዩማን ፓፒሊማቫይረስ [ኤችቪ] 'ጋርዳሲል' ዝብሃል ኮይኑ ትሸዓተ ዓይነታት ኤችፒቪ ይከላኸል።

እዚ እቶም ክልተ ኩሎም ሕማማት መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን፣ ናይ መቐመጫ መንሽሮታት፣ ናይ ብልዕትን ክሳድን መንሽሮታት ዘስዕቡ ዝሓውስ እዩ።

ክኢላታት እቲ ክታበት ንነዊሕ ዓመታት ረኽሲ ኤችፒቪ ከም ዝከላኸል እኳ እንተገለጹ፡ መጽናዕታት ግን ንዓሰርተ ዓመት ከም ዝከላኸል ይሕብሩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ውጽኢት መጽናዕቲ እቲ ክታበት ተጠቃዕነት መንሽሮ በሪ ማህጸን ብኣስታት 90 ሚኢታዊት ከም ዝንኪ የረድእ።

እዚ ኣብ መጽሄት ላንሴት ዝተሓተመ ውጽኢት እቲ ክታበት ብ2008 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብምሃብ ድሕሪ ዝተገብረ ክትትል ዝተረኽበ እዩ።

እዚ ክታበት ንመን ይወሃብ?

ክታበት ሂዩማን ፓፒሊማቫይረስ [ኤችቪ] ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ ብሂዩማን ፓፒሊማቫይረስ ቅድሚ ምልካፎም እንተወሲዶም ዚያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን።

እዚ እቲ ክታበት ረኽሲ ጥራይ ስለ ዝከላኸል እዩ፤ ሓደ ግዜ በቲ ቫይረስ እንተተለኺፍካ ግን ነቲ ቫይረስ ከልግሶ ኣይኽእልን።

እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ዝተስፋሕፍሐ ስለ ዝኾነ ህጻናት፡ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምጅማሮም እቲ ክታበት ክወስዱ ምግባር ጠቓሚ እዩ።

ኤችፒቪ እንታይ'ዩ?

ኤችፒቪ [ሓጺር መጸውዒ ሂዩማን ፓፒሎማቫይረስ ኮይኑ] ሓበራዊ ሽም ጉጅለ ቫይረሳት እዩ።

ልዕሊ 100 ዓይነታት ኤችፒቪ ክህልው እንከለው፡ ገሊኦም ዓይነታት ብልምዲ ጡብ ኣድጊ እናተባህለ ዝጽዋዕ ምልክታት ከስዕቡ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ምልክታት ኣየርእዩን።

እቲ ምልክታት [ጡብ ኣድጊ] ኣብ ኢድ፣ እግሪ፣ ብልዕትን ኣብ ውሽጢ ኣፍን ክርኣይ ይኽእል።

ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ከይፈለጡ ሰብነቶም ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሓገዝ እቲ ቫይረስ የጥፍኦ።

ብኻልእ ወገን እቶም ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዎም ዓይነታት ኤችፒቪ ናብ መንሽሮ ዘምርሕ ዘይስሩዕ ዕብየት ዋህዮታት ከስዕቡ ዝኽእሉ እዮም።

ብጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ ድዩ?

ብናይ ቀረባ ቆርበት ንቆርበት ምትንኻፍ ዝመሓላፍ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ።

ክሳብ 80 ሚኢታዊት ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 25 ጀሚሩ ንኤችፒቪ ተቓላዕቲ ይኾኑ።

መብዛሕትኦም ክኣ ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ በቲ ቫይረስ ይሓሙ።

እቲ ሕማም ብናይ ጾታዊ ርክብ ፈሰስቲ ዝመሓላፍ ስለ ዘይኮነ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላፍ ሕማም'ዩ ማለት ግን ኣይኮነን።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብን ምትንኻፋትን ክመሓላፍ ዝኽእል እዩ።

ኣስታት 90 ሚኢታዊት ብመንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ዘጋጥም ሞት ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ከም ዝርኣይ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ኣብዘን ሃገራት መንሽቶ በሪ ማህጸን ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሕን ምልክታት ዘማዕብልን ኣይፍለጥን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ሕማም ንምጥፋእ ዘለዎ መደብ ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ውጽኢታዊ ክታበት ኤችፒቪ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ብምምዕባል "ኣብ ዝቕጽል ክፍለ ዘመን" ከጥፍኦ እየ ኢሉ ነይሩ።

ይኹን'ምበር፡ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ትሕቲ 25 ሚኢታዊት ትሑት እቶት፣ ትሕሪ 30 ሚኢታዊት ትሑት ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ጥራይ እየን እዚ ክታበት ረኺበን።

ልዑል እቶት ዘለወን ሃገራት 85 ሚኢታዊት ክታበት ኣለወን።

መንሽሮ ኣፍደገ ማህጸን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ኻልኣይ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ መንሽሮ ኮይኑ ብዙሕ ሞት ከም ዘስዕብ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ሕጽረት ናይ መርመራ ፕሮግራማት፣ ድሩት ኣገልግሎትን ክታበት ንምውሳድ ድልውነት ዘይምህላውን ክኣ ነዚ ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ይጥቀስ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሩዋንዳ፡ ናይ መጀመርታ ጎስጓስ ክታበት እቲ ሕማም ዝጀመረት ሃገራት ኮይና፡ ብ2011 ደቂ ኣንስትዮ ብኣጋ ክታበት ክወስዳን መርመራ ክገብራን ገይራ።