እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብራዚል፡ ናይ መጀመርታ ብምስግጋር ማህጸን ዝተወለደተ ዕሸል
ኣብ ብራዚል ሓንቲ ኣደ ካብ ዝሞተት ብዝተለገሰላ ማህጸን፡ ጥዕይቲ ህጻን ተገላጊላ።
እዚ ዓሰርተ ሰዓታት ዝወሰደ ምስግጋር ማህጸን፡ ኣብ ሳኦ ፖውሎ ኣብ 2016 እዩ ተኻይዱ። እዚ ማህጸን ካብ ሓንቲ ዝሞተት ዝተለገሰላ ጓል 32 ዓመት ብራዚላዊት ድማ፡ ብዘይ ማህጸን'ያ ተወሊዳ።
ክሳብ ሕጂ ኣስታት 39 ምስግጋር ማህጸን ተኻይዱ ዝተኻየደ እንትኾን፡ እዚ ኩሉ ግን ካብ ብህይወት ዝነበራ ዝተለገሰ ኮይኑ፡ ኣደ ንውላዳ ካብ ዝለገሰትላ ሓዊሱ 11 ህጻናት ብጥዑያቶም ክውለዱ ክኢሎም'ዮም።
እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋን 10 ካብ ዝሞታ ዝተፈተነ ምስግጋር ማህጸን፡ ምንጻል ጥንሲ ብምስዓብ ዕዉት ከይኮነ'ዩ ጸኒሑ።
እዛ ነዛ ብራዚላዊት ማህጻን ዝለገሰትላ ኣደ ሰልስተ ቆልዑን ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድመ ትርከብ ዝነበረትን ኮይና፡ ኣብ ሓንጎላ ብዘጋጠማ ነዝዒ ደም'ያ ሞይታ።