"ኲናት ዩክረይን፡ ኣፍሪቃ ብምግቢ ዓርሳ ክትክእል ዕድል ዝፈጥር እዩ" ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ እዚ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣፍሪቃ ብመግቢ ዓርሳ ክትክእል ዓቢይ ዓድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣቦ መንበር፡ ኣሊያንስ ፎር ኤ ግሪን ሪቮሉሽን ኣፍሪቃ (ኤጂአርኤ) [ኪዳን ንሓምላይ ሰውራ ኣፍሪቃ] ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ዝኾነን፡ ኣቶ ኃይለማርያም፡ ኲናት ዩክረይን፡ ምስ ምግቢ፡ ነዳዲን ዘመናዊ ድኹዕን ተዛሚዱ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ልዑል ጽዕንቶ ከምዘሕደረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚነስተር ነበር፡ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ሓጺርን ኣብ ውሱን ርእሰ ጉዳይን ዝተኰረ ጻንሒት፡ ምስ ኲናት ዩክረይን፡ ምስ ኮቪድ-19ን ከምኡ ምስ ጎንጽታትን ኲናትን ብዝተሓሓዝ ቀረብን ምኽዛን ምግብን ኣብ ዘሻቕል ብርኪ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

"ኣስታት 36 ኣብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 90 ሚሊዮን ዝኣክል ህዝቢ ጥሜት ኣጋጢምዎ" ኢሉ።

ካብ ቀደሙ'ውን ዘተኣማምን ውሕስነት ምግቢ ዘይነበረን ሃገራት፡ ኲናት ዩክረይን ዘሕደሮ ጽዕንቶ ተወሲኽዎ፡ እቲ ጸገም ተጋዲዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ብፍላይ ስርናይን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነታት እኽሊ ናብ ሃገሮም ክሳብ ዝኣቱ ዝጽበያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓት እየን" ኢሉ።

ኣቶ ኃይለማርያም ኣብቲ ኣብ ቢቢሲ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣፍሪቃ ብዘላቕነት ርእሳ ክትክእልን ኣብ ባዕላ ክትምርኮስን ከምዘለዋ ኣገንዚቡ።

"ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዓለም ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ዝኸውን ዝሕረስ መሬት ኣሎ፣ እንተዀነ ኣብ ረብሓ ኣይወዓለን። ኣብዚ ሕዚ እዋን መራሕቲ ኣፍሪቃ ቆሪጾም ተላዒሎም እዮም። ነገዶ ኣፍሪቃውያን'ውን እቲ ኵነታት ተረዲእዎም እዩ ዘሎ፡"ኢሉ።

እንተኾነ፡ መራሕቲ እታ ኣህጉር፡ ንመበቆላዊ ፖሊሲታት ሕርሻ፡ ንምዝማን ትኹረት ክህቡ ከምዘይስትውዓልን፣ ኣብ ወረቐት ጽቡቕ ፖሊሲ ሕርሻ'ኳ እንተሎ፡ ኣብ መሬት ዝትግበር ግን ከም ዘየለ ይዛረብ።

'ኣፍሪቃ ንልዕሊ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ክትምግብ ትኽእል ድያ ?' ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ፡ ኣቶ ሃይለማርያም፡ "እቲ መልሲ ግልጺ እዩ፣ እወ ዝብል እዩ። ክትምግብ ትኽእል እያ፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ከምቲ ናቱ ኣበሃህላ እንተኾይኑ፡ ሕርሻ ኣፍሪቃ መንእስያት ብዝፈትውዎ መልክዕ ክዳሎ ኣለዎ።

"ኣብ ኣፍሪቃ ቁጠባ፡ ዲጂታላዊ መልክዕ እናሐዘ እዩ ዝርከብ። መናእሰይ ንዲጂታል ቁጠባ ቀረባ እዮም። ካብዚ ኢና ድማ ክንለዓል ንኽእል፡" ክብል ኣብሪሁ።

ኩነታት ኣየር፡ ከባብን ካልኦት መረዳእታትን ኣብ ግምት ብዘእተወ ሳይንሳዊ መገዲ፡ ንዅሉ ኣዋሂድካ ምህርቲ ምዕባይ ከምዝከኣል ጠቒሱ።

"ዲጂታላዊ መገዲ፡ ብበዝሕን ብብዓይነትን ምፍራይ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ እዩ። ብቐሊሉ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል እዚ እዩ ኢለ ይኣምን።"

ኣብዚ ከይዲ፡ ንኣፍሪቃ ሕርሻ መሰረት ዝኾኑ ንኣሽቱ ሓረስቶት ክዝንግዑ ከምዘይብሎም'ውን ኣዘኻኺሩ።

[10:29 am, 15/04/2022] Awet bbc: ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ክብል ስምምዕ ካብዝግበር ንድሓር ክንደይ ዝኣክል ረድኤት ናብ ትግራይ ኣትዩ?

ኣብ ሰሜን ኢትትዮጵያ ኣብዝካየድ ኵናት ዝሳተፉ ኣካላት ንሰብኣዊ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ክብሉ ስምምዕ ካብዝግበሩ ንደሓር ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን እንተውሓደ ኣርባዕተ ግዘ ረድዔት ናብ ትግራይ ኣእትዮም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መጋቢት 15/2014 ዓ. ም. ንሰብኣዊነት ክብል ተፃብኦ ደው ከብል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ። እዚ ውሳነ ስዒቡ መራሕቲ ትግራይ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምዘሕለፉ ይዝከር።

ክልቲኦም ሃይልታት ተፃብኦ ደው እንተበሉ'ውን ዝኣክል ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ እናበፅሐ ከምዘይኮነ ትካላት መቐረብቲ ረድኤትን መራሕሪ ትግራይን ክገልፁ ቀንዮም እዮም።

ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ምስበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ልኢኾም እዮም።

ትማሊ ሚያዚያ 6/2014 ዓ.ም. ፕሮግራም መግቢ ዓለም 47 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ገሊፁ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትዊተር ከምዝገለፆ ካብተን እኽሊ ዝፀዓና መኻይን ብተወሳኺ 3 ነዳዲ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ይሕብር።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቅድሚ ሓደ ሰሙን እውን 21 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ልዒኹ ነይሩ።

ሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል

ብካልእ ወገን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መጋቢት 24/2014 ዓ.ም. መግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዝፀዓና መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊፁ ነይሩ።

ትማሊ ሚያዝያ 6/2014 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ከምዝገለፆ ድማ ካልኣይ ዙር መግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምኡ'ውን ናይ ገዛ መገልገሊ ናውቲ ዝፀዓና መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ ይሕብር።

ተፃብኦ ደው ክብል ክልቲኦም ወገናት ካብዝሰማምዑ ንደሓር ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ልዒኾም እዮም።

ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ምስዘሎ ጠለብ ክነፃፀር ከሎ እቲ ረድኤት እኹል ከምዘይኮነ ቢቢሲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘዘራረቦም ናይ ትግራይ ሕፁፅ ረድኤት መተሓባበሪ ዶክተር እትንኩት መዝገበ ተዛሪቦም።

ቅድም ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መዓልቲ 100 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ኢሉ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ስለዝመፀ ኣብ መዓልቲ 300 መኻይን ንኽኣትዋ ከምዝተሰማምዑ ዶክተር ኣትንኩት ገሊፆም።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቢቢሲ ኣብዝለኣኾ ኢሜል ረድኤት ምእታዉ ግርም ይኹን እምበር ከምቲ ዝድለ እኹል ከምዘይኮነ ገሊፁ።

ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሕዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ካብዚኦም ድማ ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝርከቡን ገሊፁ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልል አምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ደም መፋሰሲ ኵናት ብኣሽሓት ዝቑፀር ሂወት ዘጥፍአን በሚልዮናት ዝቑፀሩ ድማ ክመዛበሉ ዝገበረን ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝተበፅሐ ተፃብዖ ደው ናይምባል ስምምዕ ስዒቡ ዝሓሸ ኩነታት ንኽፍጠር ተስፋ ከምዘለዎም ዓለምለኸ ትካላት ረድኤትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ይገልፁ።